Wednesday, June 10, 2015

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ሃገራውን ክልላውን ምስሉይ መረፃ ኣብ ምቑፃር ድምፂ ሰፊሕ ምጭብርባርን ምፍርራሕን ዝተርኣየሉ ከም ዝነበረ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ብ16 ግንቦት 2007 ዓ/ም ዝተኻየደ ሃገራውን ክልላውን ናይ ይምሰል መረፃ ሰፊሕ ምጭብርባርን ምፍርራሕን ሃዋህው ከም ዝነበሮ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብያዊ ምምሕዳር ሓድነት፤ ቀበሌ 09ን ዓይደርን ኣብ ዝነበራ ናይ መረፃ ነቑጣታት ህዝቢ መሪፁ ምስከደን ድምፂ ዝቑፀረሉ ግዜ ምስበፀሐ ካድረታት ገዛኢ ስርዓት ነቲ ምቑፃር ኣቛሪፆም ነቶም ተዓዘብትን ቆፀርትን ናይ ድራር ሰዓት ኣኺሉ ብምባል ናይ ምጭብርባርን ስርቅን ስራሕቶም ከምዘካየዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቲ ናይ ምጭብርባርን ስርቅን ስራሕቶም ንምትግባር ንተዓዘብትን ንቖፀርቲ ድምፅን ዓቐን ዘይብሉ ቢራ ኣስትዮም ክሰኽሩ ብምግባር ድምፂ ህዝቢ ኣብ ዝሓዘ ናይ መረፃ ሳንዱቕ  ገለ ምግልባጥ ብምግባር መወዳእትኡ ነቲ ወረቐት ገልቢጦም ብምዉሳድ ባዕሎም ኣብ ዘቐመጥዎ ተወዳደርቲ ኣባላት ህወሓት/ኢህወዴግ ምሉእ ብምሉእ ድምፂ ምርካቡ  ኣብ ዝሓዘ ሰነድ ኣፈራሪሖም ፈሩሙ ኢሎም ከም ዘፈረምዎም ተፈሊጡ።
      እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ እቶም ተዓዘብቲ ዝተብሃሉ ወገናት ደሓር ኩነታት ምስተረድኦም ንምንታይ ከምዚ ዓይነት ተግባር ንፍፅም ኣብ ዝበልሉ ግዜ እዚ ሕዚ ትብልዎ ዘለኹም ኣብ ደገ ወፂእኹም እንተደጊምኩምዎ ፍለጡላ ፈቲኹም ብዝፈረምኩምሉ ተሓተቲ ከም ዝኾንኩም ተረድእኹም ንህልዉና ንሂወትኹምን ስድራኹምን ኣቐዲምኩም ሕሰቡ እናበሉ ከም ዘፈራርሕዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።