Wednesday, June 10, 2015

ኣብ ዞባ ምብራቅ ትግራይ ዝርከቡ አባላት ተቃዋሚ ውድብ ዓረና/መድረኽ ዝኾኑ ወገናት ካብ ገዝኦም ብኣካላት ፀጥታ ናይ’ቲ ገዛኢ ስርዓት ተጨዉዮም ይዉሰዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



   ምጭታትና ከም ዝገለፅዎ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ከባቢ እንዳልጌዳ ዝነብር ኣባል ተቓዋሚ ውድብ ዓረና/መድረኽ ዝኾነ አይተ ልኡል ኣድሓኖም ብስራት ዝተብሃለ ወገን ብ17 ግንቦት 2007 ዓ/ም ናይ ንጉሆ ውፅኢት መረፃ ምስ ተዓዘበ ትኽክል ኣይኮነን ስለ ዝበሎም ህዝቢ ዝሃቦ ድምፂ ንምንታይ ዘይተኽብር፤ ሰባት ናብ ዘይተደለየ ኣንፈት ንኸምርሑ ትገብር ኣለኻ ብምባል ብ22 ግንቦት 2007 ዓ/ም  ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ግራት ወሲዶም ከም ዝዳጒንዎ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።