ምጭታትና ከም ዝገለፅዎ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ከባቢ እንዳልጌዳ
ዝነብር ኣባል ተቓዋሚ ውድብ ዓረና/መድረኽ ዝኾነ አይተ ልኡል ኣድሓኖም ብስራት ዝተብሃለ ወገን ብ17 ግንቦት 2007 ዓ/ም ናይ
ንጉሆ ውፅኢት መረፃ ምስ ተዓዘበ ትኽክል ኣይኮነን ስለ ዝበሎም ህዝቢ ዝሃቦ ድምፂ ንምንታይ ዘይተኽብር፤ ሰባት ናብ ዘይተደለየ
ኣንፈት ንኸምርሑ ትገብር ኣለኻ ብምባል ብ22 ግንቦት 2007 ዓ/ም
ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ግራት ወሲዶም ከም ዝዳጒንዎ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ።