Wednesday, June 10, 2015

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣባላት ድህንነት ህወሓት ንኣባላት ተቃወምቲ ውድባት ብፖለቲካዊ እምነቶም ይኽሱን ይኣስሩን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ብምሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ኣሕፈሮም ነበርቲ ዝኾኑ ኣባላት ውድብ ዓረና እቲ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ክልል ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ስዒረ ኣብ ዝበለሉ ዘሎ እዋን ኣባላት ተቓወምቲ ነቲ ውፅኢት ኣይንቕበሎን ድሕሪ ምባሎም ዓመፅ ንምልዓል ሰባት ወዲብኩም ትንቀሳቀሱ ኣለኹም ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ብ26 ግንቦት 2007 ዓ/ም ተኣሲሮም ናብ ከተማ መቐለ ከም ዝተወሰዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብ’ቶም ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ ኣሚኖም ዝንቀሳቐሱ ጠንካራታት ዝኾኑ ሰባት ብዝገብርዎም ክትዓት ጥራይ ብዘይ ወዓልዎ ናይ ሓሶት ገበን ተኸሲሶም  ናብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝተዳጎኑ ወገናት ንምጥቃስ፦ ክንፈ ወልደ ሚካኤልን ንጉሰ ኪዳነማሪያም ዝተብሃሉ ካብ ከተማ እንትጮ ተኣሲሮም ከም ዝተወሰዱ  ምንጭታትና ገሊፆም።