Sunday, August 30, 2015

ተሳተፍቲ ጉባኤ ህወሓት ብ17 ነሓሰ 2007 ዓ.ም ኣባይ ወልዱ ንክልል ትግራይ ክመርሕ ዓቕሚ የብሉን ድኽነትን ግዕዝይናን ኣስፋሕፊሑ ህዝብና ይሳቐ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረቡ ምንጭታት ገሊፆም።



ኣብ'ቲ ንመበል ዓስርተ ክልተ ግዜ ዝተኻየደ ምስሉይ ጉባኤ ህወሓት ዝተሳተፉ ሰባት ብ17 ነሓሰ 2007 ዓ.ም ካብ ዘቕረብዎ ሓሳብ ኣባይ ወልዱ ክልል ትግራይ ክመርሕ የብሉን፤ ኣብ ክንድኡ ኣርከበ ዕቑባይ ክመርሕ ኣለዎ ድሕሪ ምባሎም ምኽንያቱ ከኣ ህወሓት ድሕሪ ስልጣን ምሓዙ ለዉጢ የለን፤ ብግዕዝይና ብቀንዱ ንባዕሉ ጠልቅዩ ካልኦት ኣሰሩ ተኸቲሎም ብግዕዝይና  ክጥልቅዩ ዝፈቅድ እዩ፤ ህዝቢ ፀገሙ ክፍታሓሉ ጥርዓን ኣብ ዘቕረበሉ ቅልጡፍ ፍታሕ ኣይህብን ብሓፈሻ ኣባይ ወልዱ ዓቕሚ ስለ ዘይብሉ ይተኣለ ዝብል ከም ዝነበረ ምንጭታት ዝለኣኹልና ሓበሬታ የረድእ።
   ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ብደረጃ ዞባ ግዕዝይና ብሰፊሑ ካብ ዝረኣየለን ዞባ ምዕራብ ትግራይ መሬት ንሃፋትም ዓዲልካ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ምቕባል፤ ኣብ ዞባ መቐለ'ዉን ገዛ መስርሒ መሬት ክንህበኩም ኢና ብዝብል ንዉልቀ ጥቕምኻ ገንዘብ ምቕባል፤ ኣብ ዞባ ማእከል ንከተማ ልምዓት ዝተመደበ ባጀት ተሓባቢርካ ምብላዕ፤ ክልል ትግራይ ብልምዓት ካብ ካልኦት ዝደሓረት ክትከዉን ዝገበሩ ሰበ ስልጣን እዛ ክልል ክቕየሩ ከም ዘለዎም ቀሪቡ መዕለቢ ከይረኸበ ከም ተሰገረ ተፈሊጡ።