Saturday, August 22, 2015

ንመበል ክፍለ ስራዊት 24 ስርዓት ኢህወዴግ ተገልግል ዝነበረት ሓንቲ ወተሃደራዊት ቦጥ ተገልቢጣ ኣብኣ ተሳፊሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ምዉታትን ቁስላትን ምዃኖም ተፈሊጡ።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዓዉደ ራፊዕን ከባቢኣን ዝርከቡ ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ንመበል 24 ክፍለ ሰራዊት  ተገልግል ዝነበረት ሓንቲ ቦጥ ብምግልባጣ ኣብኣ ተሳፊሮም ካብ ዝነበሩ ወተሃደራት 6  እንትሞቱ ንመራሒ እታ መኪና ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ድማ ብከቢድ ከም ዝቖሰሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። 
ካብ'ቶም ዝሞቱ ወተሃደራት ናይ ዝተወሰኑ ኣስማት ንምጥቃስ፦ ወተሃደር ግርማቸዉ ኣለበልን ከድር በድሩን ዝተብሃሉ ዝርከብዎም እንትኾኑ እቶም ዝቖሰሉ ድማ ናብ  ሕክምና ከም ዝተለኣኹ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።