Saturday, August 22, 2015

ኣብ ከባቢ በረኸት ናብ ዝርከብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ሓረስቶት ሱዳን ብወተሃደራት እታ ሃገር እናተሓገዙ ኢትዮጵያዊያን ዝዘርእዎ ዝራእቲ እናገልበጡ ይሓርስዎ ምህላዎም ተገሊፁ።



ብመስረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ በረኸትን ከባቢኣን ብሓረስቶት ኢትዮጵያ ተሓሪሱ ብዝራእቲ እኽሊ ዝተሸፈነ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ሓረስቶት ሱዳን ብወተሃደራቶም ተሓጊዞም ግዝኣት ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ነቲ ከባቢ ብምቁፅፃር ነቲ ተዘሪኡ ዝፀንሖም ዝራእቲ ገልቢጦም ብምሕራስ ብናይ ባዕሎም ዝራእቲ ይሽፍንዎ ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ሱዳንን ዕጡቛት ምልሻ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብ4 ነሓሰ 2007 ዓ.ም ዓላዉ ኣብ ዝተብሃለ ፍሉይ ቦታ ኣብ ዘካየድዎ ዉግእ ኣብ ልዕሊ ነባሪ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ዓብዪ ምብስባስ ከም ዘዉረደ ምንጭታትና ካብ'ቲ ቦታ ወሲኾም ኣፍሊጦም።