Monday, August 24, 2015

ነበርቲ ከተማ ዓዲ ግራት መንነት ካርድ ኣብ ዘዉፅእሉ እዋን ልዕሊ 250 ብር ክኸፍሉ ይግደዱ ብምህላዎም መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ነበርቲ ከተማ ዓዲ ግራት መለለዪ መንነት ካርድ ንምዉፃእ ብኣምሓደርቲ እታ ከተማ ልዕሊ 250 ብር ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ እዚ ጉዳይ ምስ ዓቕሚ ድኻ ሕብረተሰብ ዘይመጣጠን ምዃኑ ተራእዩ ፍታሕ ክግበር ሓቲቶም ኣወንታዊ ምላሽ ብዘይ ምርካቦም መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።
ዓዲ ግራትን ከባቢኣን ከቢድ ናይ ፀጥታ ፀገም ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በዚ ድማ ነባሪ ሕብረተሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን ብካድረታትን ምልሻን ክፍተሽን ክፈራራሕን ከምዘሎን ናይ መንነት ካርድ ከዉፅኡ ኣብ ዝሓተሉ እዋን ድማ ልዕሊ ዓቕሞም ገንዘብ ይሕተቱ ብምህላዎም ነበርቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ተቓዉምኡ የስምዕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።