Monday, August 24, 2015

ኣብ ግምባር ቡሬ ዝርከቡ ናይ መበል 25 ክፍለ ሰራዊት ወተሃደራት ኣብ ውሽጦም ብዝተመደባ ደቂ ኣንስትዮ ዝመበገሲኡ ባእሲ ነንሕድ ሕዶም ይቃተሉ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



ኣብ ግንባር ቡሬ ዝርከቡ ናይ መበል 25 ክፍለ ሰራዊት ወተሃደራት ኢህወዴግ በተን ኣብ ዉሽጦም ዝተመደባ ኣባላቶም ደቂ ኣንስትዮ ናሃተይ ናሃተይ ብዝብል ምኽንያት ነንባዕሎም ይቃተሉ ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በዚ መሰረት ድማ ብ26 ሓምለ 2007 ዓ/ም ዳርጋዉ ዝተብሃለ ወተሃደር ብደቂ ኣንስትዮ ይጠማመትዎ ንዝነብሩ 5 ወተሃደራት ቀቲሉ ንባዕሉ ድማ ዓርሰ ቅትለት ከም ዝፈፀመ ተፈሊጡ።
ናይ'ቶም ዝቐተሎም ኣስማት ንምጥቃስ፦ ሓለቓ ሓምሳ  ደምሴ፤ ሓለቓ ዓሰርተ ሑሴን፤ ሓለቓ ዓሰርተ ጀማል፤ ምክትል ሓለቓ ዓሰርተ  ገብረመድህን (ወዲ ምጉላት)ን ኣሸናፊን ዝተብሃሉ ዝርከብዎም እንትኾኑ ንሳ'ቶም ንሓለዋ ይወፅሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን በተን ደቂ እንስትዮ ንዓይ ንዓይ ዝብል ብዝፀነሖም ባእሲ እቲ ወተሃደር ክቐትሎም ከም ዝኽኣለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።