ኣብ ክልል ኣምሃራ ከተማ ባህር ዳር ቀበሌታት 14ን 11ን ውሽጢ ዝርከብ
ናይ ህዝቢ መንበሪ ኣባይቲ ንብዙሓት ዓመታት ክነብሩሉ ዝፀንሑ ገዛውቶም ብዘይ ምዝርራብን ፍቓድን ሕብረተሰብ ብዶዘር ይፈርስ ምህላዉን
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ተበደላይ ሕብረተሰብ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ብምኻድ ሰለማዊ ተቓውሞ ኣብ ዝገብረሉ እዋን እናቐጥቐጡ ከም ዘባረርዎምን
ንዝተወሰኑ ድማ ከም ዝኣሰርዎምን እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ እታ ከተማ ክብሪ መነባብሮ ዝፈጠሮ ፀገም ከይኣኽለና መንበሪ ገዛ ክፈርስ ምግባሩ ካልእ
ተደራቢ ፀገም ኮይኑና ብምባል ምረቶም እናስምዑ እኳ እንተኾኑ ክሳብ
ሕዚ ሰማዒ ኣካል ከም ዘይረኸቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።