Tuesday, August 18, 2015

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ፍሉይ ሽሙ በርቀ ላፅያ ኣብ ዝተብሃለ ዶብ ከባቢ ዝርከቡ ብማጓሰ ዝናበሩ ዜጋታትና ብናይ'ቲ ስርዓት ወተሃደራዊ ሰላያ ይቕጠቐጡን ይእሰሩን ምህላዎም ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ብጓስነት ዝመሓደር ጉዑሽ መብራህቱ ዝተብሃለ  ዜጋ ብ11 ሓምለ 2007 ዓ/ም በረቀ-ላፅያ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ምስ ዴምህት ትራኸብ ኣለኻ ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ  ናይ'ቲ ገዛኢ ስርዓት ምክልኻል ሰራዊት ስለያ ካብ ሕጊ ወፃኢ እናቐጥቀጡ ጥሪቱ  ኣብ በረኻ ደርብዮም ነቲ ወልቀ ሰብ ኣብ ሽረ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም ዳጒኖሞ ከም ዝርከቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
 ናይ'ቲ ስርዓት ምክልኻል ሰራዊት ህዝቢ ትግራይ ምስ ዴምህት ትራኸብ ኢኻ ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ ካብን ናብን ተንቐሳቒሱ መነባብሩኡ ዝመርሕ ነበራይ የበሳብስዎ ከም ዘለው ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።