Thursday, August 13, 2015

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩሉ ክፍለ ከተማታት ቤት ፍርዲ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ "ፍትሒ ኣዳላላይ ሙስሊም" ዘመሓላላፎ ዉሳነ ፍትሓዊ ኣይኮነን እንትብሉ ምሁራት ተቓዉሞ ኣስሚዖም።



    ከም ኣገላልፃ እቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ገዛኢ ስርዓት ተለኣኣኺ ዝኾነ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ፍትሒ ኣዳላላይ ሙስሊም ዝወስዶ መስርሕ ፍርዲ ፍትሓዉነት ዝጎደሎን ካብ ዳይነት ስነ-ምግባር ወፃኢ ዝኾነን እዩ ክብሉ ኣብ'ታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ዝሰርሑ ምሁራት ብጥብቂ እናተቓወሙ ምዃኖም ተፈሊጡ።
   ምሁራትን ሰራሕተኛታት ብቀንዱ ትኹረት ካብ ዝገበርሉን ጥርዓን ካብ ዘሰምዕሉን ፍትሒ ኣዳላላይ ሙስሊም ጉዳይ ዝተወሰነ ንምግላፅ ዝኣክል ተኸሰስቲ ኣሸበርቲ ኣይኮኑን!፤ ናይ ኣሸባርነት መለክዒ ኣየማልኡን!፤ ገዛኢ ስርዓት ንዜጋታት ኣሸባሪ ክብል እንተኾኑ ክኽተሎ ዝግባእ መለክዒ ክህሉ ኣለዎ እምበር ከም ዝደልዮ በቲ ባዕሉ ዝዝዉሮ ቤት ፍርዲ ንፅሃት ዜጋታትና ክኣስርን ከሳቕይን ኣይግባእን ክብሉ ምግላፆም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።