Monday, August 17, 2015

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ሓደ ሓደ ወረዳታት ዝነብሩ ሓረስቶት ኣብ መፍለሲ ተኽልታትና ዘልማዕናዮም ናይ ፍራምረ ተኽልታት ከም እንደገና ክንዕድጎ ንግደድ ኣለና ክብሉ ጥርዓኖም ኣቕሪቦም።



ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘማላኽቶ ኣብቲ ክልል ፍሉይ ወረዳ ገልገል በለስ ፓዊ መንደር 7ን "ኣልሙ" ኣብ ዝተብሃሉ ጨንፈር ናይ ምርምር ጣብያ  ኣብ'ቲ ከባቢ ዝነብሩ ሓረስቶት ቅድሚ እንትብል ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ብተሳትፎ ህዝቢ ዝተተኸሉ ዝተፋላለዩ  ፈልስታት ካብ ጉልበትና ክሳብ ገንዘብና ወፃኢ ገይርና ዘልማዕናዮም ፈልስታት መሊስና ክንዕድጎ ዝገበር ዘሎ ገዛኢ መንግስቲ  ንኽሳራ የቀልዓና ኣሎ ክብሉ እቶም ሓረስቶት መረረቶም ብጥርዓን ምግላፆም ተፈሊጡ
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ካብ ከባቢ መንደራት 7ን 4ን ዝርከቡ ሓረስቶት ጥርዓን ዝቐረበሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ገጠር ልምዓት ሕርሻ ፍሉይ ወረዳ ፓዊ ኣብ ከተማታትን ንዘይተኸለሉ ቦታታትን ቀዋሚ ተኽልታት ምትካል ስለ ዘይፍቀድ እዩ ተኸልኪልኩም ዝብል ዘይቅኑዕ ምላሽ ከም ዝሃቦም እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ