ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘማላኽቶ
ኣብቲ ክልል ፍሉይ ወረዳ ገልገል በለስ ፓዊ መንደር 7ተን "ኣልሙ" ኣብ ዝተብሃሉ ጨንፈር ናይ
ምርምር ጣብያ ኣብ'ቲ ከባቢ ዝነብሩ ሓረስቶት ቅድሚ እንትብል ኣብ
ስራሕቲ ልምዓት ብተሳትፎ ህዝቢ ዝተተኸሉ ዝተፋላለዩ ፈልስታት ካብ
ጉልበትና ክሳብ ገንዘብና ወፃኢ ገይርና ዘልማዕናዮም ፈልስታት መሊስና ክንዕድጎ ዝገበር ዘሎ ገዛኢ መንግስቲ ንኽሳራ የቀልዓና ኣሎ ክብሉ እቶም ሓረስቶት መረረቶም ብጥርዓን ምግላፆም
ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ካብ ከባቢ መንደራት 7ተን 4ተን
ዝርከቡ ሓረስቶት ጥርዓን ዝቐረበሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ገጠር ልምዓት ሕርሻ ፍሉይ ወረዳ ፓዊ ኣብ ከተማታትን ንዘይተኸለሉ ቦታታትን
ቀዋሚ ተኽልታት ምትካል ስለ ዘይፍቀድ እዩ ተኸልኪልኩም ዝብል ዘይቅኑዕ ምላሽ ከም ዝሃቦም እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።