Monday, August 17, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ዝርከቡ ነጋዶ ምስ ኣታዊታቶም ዘይመጣጠን ልዑል ግብሪ ተፃዒንና ብምባል ንግዲ ፍቓዶም ይምልሱ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ዝርከቡ ነጋዶ ምስ ኣታዊና ዘይመጣጠን ዕፅፊ ተወሳኺ ግብሪ ክንከፍል እናተገደና ኢና ብምባል ብርክት ዝበሉ ይምሓደርሉ ዝነበሩ ስራሕ እናሰረዙ ናይ ንግዲ ፍቓዶም ኣብ ምምላስ እንትኾኑ ኣብ'ቲ ኣወሳስና ግብሪ ኣመልኪቶም እቶም ነጋዶ እንትዛረቡ ኣብ ልዕሊ እቲ ገዛኢ ስርዓት ብዘለዎም ኣረኣእያ ብምዕዛብ እናተሓደጉ ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ናይ ንግድን ስራሕ ፍቓዶምን ካብ ዝመለሱ ብርክት ዝበሉ ሰብ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 52 ሽሕ ብር ግብሪ ዝኸፈለን ኣብ'ዚ ዓመት  ድማ160 ሽሕ ብር ዝተወሰነሉ በዓል ዋና ኣብ ከባቢ ናይ ቅድም ጥዕና ጣብያ ዝርከብ ጋራዥ እንትኸዉን፥ ክሳብ ሕዚ መፍትሒ ዘይረኸበ ሽግር መብራህቲ ኣብ ግምት ዘየእተወን ሚዛናዊ ዘይኮነ ኣወሳስና ግብሪ ብምቅዋም ናይ ስራሕ ፍቓዶም ከም ዝመለሱ ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰለም ምቁርራፅ መብራህትን ዝስተ ፅሩይ ማይን ዘጋጠመ እንትኸዉን ኣብ ከተማታት ጂጋን ማንኩሳን ኣዋርሕ ዘቑፀረ ሕፀረት ሽኮር ምግጣሙ ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም