ኣብ ዉሽጢ ከተማ ደሴ ዝርከቡ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ክልተን ካብኡ ንላዕልን
ኮይኖም ክንቀሳቐሱ ዝተረኸቡ መናእሰይ ብናይ ክልል ፖላዊስ ኢ-ሰብኣዊ ብዝኾነ መንገዲ እናተደብደቡ እናተኣሰሩ ምዃኖም ዝገለፀ እቲ
ሓበሬታ ተኣሲሮም እናተሳቐዩ ካብ ዝርከቡ ዉሽጢ፦ ታከል መንግስቴ ነባርነቱ ኣብ ከተማ ደሴ ቀበሌ 03 ፤ መክይ ኣብዶ ኣብ ከተማ
ደሴ ቀበሌ 02 ነባሪ፤ ከምኡ'ዉን ሉባባ ሑሴን ኣብ'ታ ከተማ ብልሙድ ኣፀዋዉዓ አሬራ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰፍር ዝነብር ዝርከብዎም
ከም ዝኾኑ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
ኣብ'ዚ እዋን ካድረታት ብኣዴን ኢህወዴግ ተለኣኣኽቶም ዝኾኑ ኣካላት ድህንነትን
ኣባላት ፖሊስን ብሓደ ብምዃን ህዝቢ ብሓባር ከይንቀሳቐስን ከይነብርን ዝፈላሊ ሽርሒ ኣብ ምፍጣር ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ዝበፀሓና
ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።