Thursday, August 13, 2015

ኣብ ምዕራብን ሰሜንን እዚ ዝርከቡ ሰራዊት ምክልኻል ኢህወዴግ ናብ ምብራቅ እዚ ተወሳኺ ክኾኑ ተባሂሎም ብ19 ሓምለ 2007 ዓ/ም ናብ ክልል ሱማል ተመልሚሎም ከም ዝተልኣኹ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣብ ምብራቕ እዚ ዝርከብ ሰራዊት ጉጅለ ኢህወዴግ ናብ ጎረቤት ሃገር ሶማልያ ከም ዝተለኣኸን ዘየደሊ መስዋእትነት ክኸፍል ክግደዱ ከም ዝተገብረ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ሕዚ’ዉን ተወሳኺ ካብ ምዕራብን ሰሜንን እዚ ብ19 ሓምለ 2007 ዓ/ም ናብ'ታ ሃገር ክኸዱ ከም ዝተገብረ ተገሊፁ
   ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ልኡላዉነት ኢትዮጵያ ከይተተንከፈ እናሃለወ ምዕራባዉያን ሃገራት ዝህብኦ ትእዛዝ ተቐቢሉ፥ ህይወት ደቂ ህዝቢ ብገንዘብን ጠበንጃን ኣብ ምሻጥ ኣብ ዘለሉ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተሰብ መረረቶም ይገልፁ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ