Monday, August 17, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ሓረስቶት ማዳበርያ ወሰዱ እናተብሃሉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



  ብመስረት ካብ'ቲ ክልል ዝበፅሓና ሓበሬታ ዝኾነ ናይ ሕርሻ መሬት ዘለዎ ሓረስታይ መዳበርያ ክዕድግ ግዴታ ኣለዎ ዝብል ትእዛዝ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብኣዴን ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ ነቲ ሓረስታይ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ከም ዝሓረበቶን ነቲ ትእዛዝ ዘይተቐበለ ድማ ይእሰር ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
   ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ብዙሓት ሓረስቶት ማዳበርያ ኣይገዛእኹምን ተብሂሎም ካብ ዝተኣሰሩ፦ ኣይተ እንድሪስ ካብ ከተማ መርሳ፤ ኣይተ መኮነን ግዛው  ካብ ጎንደር፤ ኣይተ ባንተል ግዜ ድማ ካብ ወልድያን ካልኦትን እንትኾኑ ሽሞም ዘይተገልፁ ካልኦት ምህላዎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።