ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሰበታ ውሽጢ ኣይተ ተሎሳን ደቻሳን ዝተብሃሉ ንፁሃን ዜጋታት ናይ ኦነግ ኣባላትን ስለያን ኢኹም ብዝብል ስንኩል ምኽንያት ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ
መድረኽ እመኑ ብነፃ ክትስደዱ ተባሂሎም ዋላ'ኳ እንተተሓተቱ ንሳቶም ግን ንሕና ኣባላት ስለያ ዘይኮናስ ኣብ ንግዲ ስራሕ ተዋፊርና
እንሰርሕ ንፁሃት ዜጋታት ኢና ብምባል ምስ መለሱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተወሰዱ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣባል ኦህዴድ ንምዃን ብኦህዴድ ኣመራርሓ
ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ዘይኮኑ ተወለድቲ ኦሮሞ ኣባል ኦነግ ኢኹም እናተብሃሉ ክእሰሩን ክሳቐዩን ይግበር ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ገሊፁ።