Sunday, August 30, 2015

ኣብ ወረዳታት ክልል ትግራይ ተመዲቦም ዝሰርሑ ኣመሓደርቲ መንነቶም ብዘይ ተፈለጡ ሰባት ይቕተሉ ከም ዘለው ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



   ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ምምሕዳር ከተማ ዓዲ ግራት ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣፅብሃ ወልደገብሪኤል ዝተብሃለ ዕሱቡ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት ኢህወዴግ ብ12 ነሓሰ 2007 ዓ.ም መንነቶም ብዘይ ተፈለጠ ምኽንያት ኣብ ገዝኡ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣገንዚቦም።
   ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ንምፅራይ ብዝብል ገለ ምንቅስቓስ እኳ እንተካየደ ነባሪ ህዝቢ ክተሓባበሮም ብዘይ ምኽኣሉ ምስ ፀገማት እቲ ዉልቀ መዋቲ ተኣሳሲሩ ሰባት ክጥርጥሩ ፈቲኖም ህዝቢ ክቕበሎም ብዘይ ምኽኣሉ ቀታሊኡ ከይተፈለጠ ስቕ ምባል ከም ዝመረፁ እቲ ሓበሬታ ወስኹ ኣረዲኡ።
   ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ሳዕሲዕ ዝነብር ዝነበረ ደስታ ጎቢጥ ዝተብሃለ ተጋዳላይ ነበር ቀተልቱ ብዘይ ተፈለጡ ሰባት ብ13 ነሓሰ 2097 ዓ.ም ብእምንን በትርን ከም ዝተቐተለ ምንፍላጥ ተኻኢሉ።
  እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዞም ተቐቲሎም ዝበሃሉ ዘለው ሰባት ምስ ካድረታት እቲ ከባቢ ስምምዕ ዘይብሎም ጥቕሚ ዘባኣሶም  ክኾኑ ክምዝኽእሉን ቀተልቶም ከኣ ኣባላት ህወሓት-ኢህወዴግ እዮም ዝብል ጥርጣረ ብሰፊሑ ይውገዐሉ ከምዘሎ ካብቲከባቢ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣረዲኡ።