Sunday, August 30, 2015

ንከተማ ዓዲ ግራት ተባሂሉ ዝተመደበ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣብ ስራሕ ከይወዓለ ብሰበ ስልጣን ከም ዝተበልዐ ምንጭታት ዝለኣኹልና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዘሎ ሱር ዝሰደደ ፀገም ቀረብን ዝርገሐን መብራህቲ መዘርዝግሕን መዕረይን ክዉዕል ብዝብል ዝተሰልዐ ልዕሊ 4 ሚልዮን ብር ኣብ ስራሕ ከይወዓለ ብሰበ ስልጣን ስለ ዝተጠፋፈአ መብራህቲ ክረኽባ ዝግብአን ከባብታት ናይ'ታ ከተማ ብፀልማት ተዋሒጠን ከም ዝርካብ ተፈሊጡ።
   ካብተን መብራህቲ ዘይረኽባ ከባብታት፦ ካብ ፒያሳ ክሳብ ሓዱሽ ዓዲ መብራህቲ ዘይብሉ፤ ካብ እንዳ ዶ/ር መንገሻ ክሳብ ብካምቦ ዝፍለጥ ቦታ፤ ካብ ፒያሳ ክሳብ ሆስፒታል፤ ካብ መንገዲ መቐለ መስመር ዛላምበሳ ዘሎ፤ ሜዳ ዓጋመን ከባቢኡን ዝርከቡ ቦታታት ጠቕሊሎም መብራህቲ ረኺቦም ዘይፈልጡ ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣፍሊጡ።