Friday, August 28, 2015

ብሽም ሸዉዓተ ዓመት ኣገልግሎት ዝወድኡ ወተሃደራት ንዘይ ተደለዩ ንምፍናዉ ዝቐረበ ሓሳብ ኩሉ ሰራዊት ኣፋንዉና ስለ ዝበሎም ምኽንያት ፈጢሮም ጠጠዉ ከም ዘበልዎ ተሓቢሩ።


    እቲ ካብ ምክልኻል ሰራዊት ልሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ኣብቲ ካብ 14 ነሓሰ 2007 ዓ.ም ኣትሒዙ በብኣሃድኡ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባታት ከም ሓደ መዘራረቢ ርእሲ ኮይኑ ብመራሕቲ መድረኽ ዝቐረበ ሓሳብ ሸዉዓተ ዓመት ዘገልገሉ ወተሃደራት ክፋነዉ ከም ዝኾኑ፥  እቶም ልዕሊ ሸዉዓተ ዓመት ዘገለገሉ ወተሃደራት ብሙሉኦም ምፍናዉ እንተ ኾይኑ ብዘይ ኣፈላላይ ኣፋንዉና ስለ ዝበልዎም በዚ ሓሳብ ዝተደናገፁ መራሕቲ እቲ መድረኽ ኣርእስቲ ቀይሮም ነቲ ዘልዓልዎ ዛዕባ ሸፋፊነሞ ከም ዝሓለፉ ተፈሊጡ።
     በቶም መራሕቲ ብሽም ምፍናዉ ብዓይኒ ጥርጣረ ዝረኣዩ ወተሃደራት ንምስንባት ዝተወጠነ እኳ እንተነበረ በቲ ሰራዊት ዝቐረበ ኣፋንዉና ዝብል ሙሉእ ድምፂ ኣደናጊፅዎም ጎሳስዮም ክሓልፉ ኣብ ዝፈንተንሉ እቲ ሰራዊት ግን እቲ ዝተለዓለ ርእሲ ልዕሊ ካልእ ንዓና ስለ ዘገድሰና ተሸፋፊኑ ክሕለፍ የብሉን ኣፋንዉና እንተዘይ ኮይኑ ኣብ ዝጠዓመና ግዜን ቦታን ክንከይድ ከም ንኽእል ፍለጡ ክብሉ ብግልፂ ከም ዝነገርዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።