Friday, August 28, 2015

ብጀነራል ሳሞራ ዮኑስ እናተመርሐ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምክልኻል ሰራዊት ገምጋማዊ ኣኼባ ብዘይ መዕለቢ ከም ዝተበተነ ተገሊፁ።


 


ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ኣዲስ  ኣበባ ብጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ዝተመርሐ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝተረኸቡሉ ገማጋማዊ ኣኼባ ካብ 12 ነሓሰ 2007 ዓ.ም ኣትሒዙ ክካየድ ከም ዝቐነየ ድሕሪ ምግላፅ ኣጀንዳ ናይ'ቲ ኣኼባ ድማ መንግስቲ ሓደሽቲ ሰራዊት ኣሰልጢኑ ይሰድድ ኣባኹም ምስ በፅሐ ግን መብዛሕትኡ እቲ ሰራዊት ይጠፍእ ኣሎ ንምታይ?፤ ስራሕኹም እንታይ ድዩ?፤ እንታይ ትሰርሑ ኣለኹምን?፤ ዝብልን ካልእን ብመራሒ መድረኽ ሳሞራ ምስ ቀረበ ነቲ ነቓፊ ሓሳብ መብዛሕትኦም ስለ ዝነፀግዎ ኣብ መንጎኦም ኣፈላላይ ተፈጢሩ እቲ ኣኼባ ብዘይ መዕለቢ ከም ዝተበተነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
     ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ እቲ ገምጋም ድሕሪ እቲ ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምርድዳእ ዘይነበሮ ኣኼባ ክሳብ ታሕቲ እዝታት ወሪዱ ኣብ ዘለሉ ብፍላይ ኣብ ሰሜን እዝ ካብ ዝርከባ ገለ ሬጅመንታት ኣብዚ ዝጠናቐቕ ዘሎ ዓመት ጥራሕ ብርክት ዝበለ ቁፅሪ ዘለዎም ወተሃደራት ብምጥፍኦም ቀንዲ መዘራረቢ ርእሲ ብምኳኑ ገለ ኣዘዝቲ ካብ ስርሖም ተኣጊዶም ኣብ መቐለ ስታፍ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።