ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ዝሓለፉ 24 ዓመታት ናይ ኣገዛዝኣ እዋን ዘቆሞም
ወተሃደራውን ካልኦት ናይ ፀጥታ ሃይልታትን ተጠቒሙ መሰልን ናፅነትን ህዝቢ ምግፋፍ፤ ንዘይስማዕምዕዎ ንፁሃት ሰባት ብሕቡእ ምጭዋይን
ምቕታልን፤ ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ብዝግበር ናይ ጥቕሚ ምትእስሳር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘመናዊ ባርነት ንኽፍፀም ኮነ ኢሉ ይንቀሳቐስ
ኣሎ።
ምክልኻል ሰራዊት ስርዓት ህወሓት ኢህወደግ ኣወቃቕራ ሓይልታት ፀጥታን
ፖሊስን ብዘይካ ናይ ደገ ሓገዝ፤ ምኽርን ወተሃደራዊ ስልጠናን ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ዝተወዳደበ እዩ ዝብል ሰብ እንተደኣ ሃልዩ ኣብ’ዚ
ሕዚ እውን ኣብ ዓለም እንታይ ይግበርን ይስራሕን ከምዘሎ ዘይፈልጥ ጥራይ ክኸውን አለዎ፣ ስለዚ ንናፅነት ኣብ ዝግበሩ ቃልስታት
ብዙሓት ሕቶታት ንኽለዓሉ ምኽንያት ይኾኑ’ዮም ጥራይ ዘይኮነስ ንሓደ
ስርዓት ካብ ዘለዎ ስልጣን ምእላዩ ጥራይ ህዝቢ ከም ህዝቢ ናፅነቱ ክረክብ ከም ዘይኽእል ካብ ናይ ብዙሓት ሃገራት ታሪኽ ክንመሃሮ
ዝግበአና ሓቂ ‘ዩ።
ብፍላይ ናይ ዝሓለፈ ሰላሳ ወይ ኣርበዓ ዓመታት ህዝብና ዘካየዶም ናይ
ናፅነት ቃልሲ ምስንዕዘብ መብዛሕትኦም ኣብ ሳልሳይ ዓለም ዝርከቡ
ሃገራት ቃልሶም ክዕወት ዘይከኣለ ናይ መብዛሕትኡ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ፍልስፍናውን ሳይንሳውን በዝኾነ መንገዲ ክፍታሕ ስለዘይተኻአለ’ዩ።
ከም ዝፍለጥ
ብደረጃ ዓለም ለኸ ካፒታሊዝም ምስተስፋሕፍሐን ልዕልነቱ ድሕሪ ምርግጋፁን
ብደረጃ ዓለም ጭቆናን መርገፅትን ክስፋሕፋሕን መብዛሕትኦም ኣብ ሳልሳይ ዓለም ዝርከቡ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክኾኑ
ስለ ዝተገደዱን ኣብ ናይ ዓፈና ሰንሰለት ክኣትውን ንስቓይ ክፍረዱን ግድን ኮይኑ’ዩ።
መፅናዕትታ ጥረ ሓፍቲ ከም ዘረጋገፅዎ መብዛሕትኦም ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ
ከርሶም ንዝርከብ ማእለያ ዘይብሉ ሃፍቲ ብስርዓት ንምጥቃም፤ ህዝብታቶም ካብ ድኽነት ንምልቓቕን ዝተማሓየሸ ናብራ ክሃንፁ ዘይከኣልሉ
ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ውሽጢ ወተሃደራውን ስለያውን ናይ ጭቆና ሰንሰለት ክኣትውን ብናይ ደገ ርእሰማላውያን ናይ ምዝመዛ ኣተሓሳስባ
ተኣሲሮም ሃፍቲ ሃገሮም ንከይጥቀሙ ስለዝተገብረን’ዩ።
ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት ኣፍሪካ ዝርከብ መንግስታዊ ኣወቃቅራን ኣሰራርሓን
ብመሰረቱ ንህዝቡ ዘገልግልን ፈጣሪ ዕብየትን ምዕባለን ዝኾነ መንገዲ ዝህንድስ ዘይኮነስ ድኽነት ንኽስዕርርን ኩሉ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ
እቲ ስርዓት ኮይኑ ክግዛእን ሕሱም ናብራ ከሕልፍን’ዩ ዝግበር።
ትኽክለኛ ሳይንሳዊ መንገድን ፍልስፍናን ብዘይብሉ መንገዲ ዝተሓንፀፁ አሰራርሓ
መንግስቲ፤ ስነምግባርን ሞራልን ዝጎደሎም ማሐበራዊ፤ ሕብረተሰብአዊ፤ ባህላውን ታሪኻውን ሓላፍነት ብዘሸክም መልክዕ ስለ ዘይተቐመጡ።
ኩሉ ነገር ብተራ ተአዛዛይነት ንኽፍፀም ምኽንያት ኮይኑ’ዩ።
ናብ ሃገርና ምስንመፅእ ኣወቓቕራን ኣሰራርሓን ስርዓት ህወሓት ኢህወደግ።
ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ እንትነፃፀር እምብዛ ዝፍለ ዘይኮነስ ዝበኣሰ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን፣ ሓደ ህዝቢ ትኽክለኛ ናፅነቱ
ንኽረክብ እዚ ከምዚ ዝበለ ከም ሰንሰለት ዝተጠናነገ ጭቆናዊ ኣገዛዝአ ዋና ንምኽንያት ምምፃእ ድኽነትን ዝተመዓራረየ ምዕባለ ንኸይህሉ
ዝገብር ምዃኑ ኣብ ግንዛበ ክአቱ እንተሎ ጥራይ ንናፅነት ዝካየድ ቃልሲ ቅኑዕ ይኸውን።
ብካልእ ኣዘራርባ ንናይ ብሓቂ ናፅነት ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ኩሉ ኣብ ሃገርና
ንዘሎ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ይኹን ንኣወቓቕራ ናይ መብዛሕትኦም ሃገራት ኣፍሪካ ብዝግባእ ክግንዘቦን ካብኡ ብምብጋስ ድማ ክሳብ ሕዚ
በዝተኻየደ መንገዲ ቃልሲ ትኽክለኛ ናፅነት ህዝቢ ምምፃኣ ከምዘይከኣል ምርዳእ ይግባእ።