ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ
ነበርቲ ከተማ ዓድዋ ሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ኣብ መነባብሮኦም ከቢድ ሽግር ፈጢሩሎም ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ፣ እቲ ፀገም
ንኽፍታሓሎም ብተደጋጋሚ ንዝምልከቶም ኣካላት ከቕረብዎ ዝፀንሑ ጥርዓን፣
ክሳብ ሕዚ ካብ መብፅዓ ዝሰግር ፍታሕ ክረኽቡሉ ከም ዘይከኣሉ ንምፋልጥ ተኻኢሉ።
ነበርቲ እታ ከተማ መረረቶም ኣብ ዝገልፅሉ ዘለዉ እዋን እቶም ኣመሓደርቲ ንይምሰል
ድሕሪ ዝካየድ ጉባኤ ህወሓት ፍታሕ ክግበረልኩም እዩ ብዝብል ከታልልዎም እኳ እንተፈተኑ፣ እቲ ህዝቢ ብወገኑ ብዙሓት ጉባኤታት ኣሕሊፍኩም
ኢኹም እንተኾነ ግን ካብ መብፅዓ ዝሰግር ዝረኸብናዮ ፍታሕ የለን ክብሉ ከም ዝነፀግዎም ተፈሊጡ።