ብመሰረት እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ፣ ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ፤ ከተማ ኣኽሱም ዘሎ ዓመታት ዘቑፀረ ሕፀረት መሰረት ልምዓት ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኢህወዴግ ፍታሕ ክገብር ብዘይ ምኽኣሉ ነበርቲ ንኸቢድ ፀገም መነባብሮ ምቅልዖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ብፍላይ ድማ
ኣብታ ከተማ ዘሎ ስእነት ዝስተ ፅሩይ ማይን ምቁርራፅ ኤሌክትሪክን
ኣመሓደርቲ እታ ከተማ ክፈትሕዎ ተበግሶ ክወስዱ ብዘይ ምኽኣሎም፣ ነበርቲ ወከልቶም ክሳብ ፌዴራል ብምልኣኽ ጥርዓኖም ኣብ ዘቕረብሉ
ግዜ ፍትሓዊ መልሲ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ፣ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም ንዝስተን ምግቢ መብሰልን
ዝኾን ማይ ስኢኑ ካብ ፅሬት ዘይብሎም ጎዳጉድን ዕቛር ማይን እናቀድሐ ይጥቀም ብምህላው ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማም ይቓላዕ ከም
ዘሎ ተፈሊጡ።