Wednesday, August 26, 2015

አብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍፀም በደል ሕዚ’ውን ኣሎ!!



    ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዘለዉ ኣብያተ ማእሰርቲ ሕጋዊ ክሲ ከይተመስረተሎም ከም ዝእሰሩን መግረፍቲ፤ ስቓይን መቕተልትን ከም ዝፍፀሞም ካብ ህዝብና  ዝተኸወለ ተርእዮ ኣይኮነን።
   ኣብ ሃገርና ኣፈፀምትን ተርጎምትን ሕጊ ዝባሃሉ ፖሊስ፤ ቤት ፍርድን ቤት ማእሰርትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ከይተረፈ ከምዘይእዝዞም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ተዘሪብሎም’ዩ፣ ፖሊስ ጣብያ፤ ኣብያተ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር፤ ወተሃደራዊ ካምፕታት፤ ሕጋዊን ሚስጥራዊን ቤት ማእሰርቲ ኣብ ሃገረማርያም፤ ሁርሶ፤ ደዴሳ፤ ኣጋርፋ፤ ዝዋይ፤ ጦላይ፤ ቃሊቲ ማእከላዊን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲ ማእሰርቲ። ዝስካሕክሕ ግፍዒ ይፍፀም ከም ዘሎ ይፍለጥ’ዩ።
   ብዓለም-ለኻዊ ሰብአዊ መሰል ዝፍለጥ ይኹን ብስርዓት ኢህወደግ ኣብ ሕገመንግስቲ ከምዘፅደቖ እንተኾይኑ ዝኾነ ሰብ መግረፍቲ ይኹን ስብእናኻ ብዘዋርድ መንገዲ ጭካነ ዝተመልኦ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዘይግባእ ይገልፅ እኳ እንተኾነ ኣብ ቤት ማእሰርትን ካብኡ ወፃእን ብሓይልታት ፀጥታ እቲ ስርዓትን፤ ብኣባላት ደህንነት፤ ብፖሊስን ካድረታትን እቲ ስርዓት ኣብ ኩሎም ክልላት ሃገርና ዝፍፀሙ መዓልታዊ ተግባራት’ዮም፣ እዚ ከምዚ ዝበለ ተግባር ብስፍሓት ካብ ዝፍፅሙ ቤት ማእሰርቲ ሓደ ማእከላዊ ምርመራ ተባሂሉ ዝፍለጥ ማእከል ናዚ/ጀርመን ዝጥቀመሎም ካብ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ከምዘይፍለ ይንገር።
    ዜጋታት ብገመድ ኤሌክትሪክን ካልኦትን ብምጥቃም ኣእዳዎም በሰንሰለትን ካቴናን ተአሲሮም ኣብ መንድቕ ብዝተሰኹዑ መሳምርን ተርኮላታን ንቀይንቀሳቀሱ ተወጢሮም፤ ከብዲ እግሮምን መላእ ኣካላቶምን ኢሉ’ውን ኣእምሮኦም ክሳብ ዝስሕቱ ስቓይ ከም ዝበፅሖምን፤ ሓይልታት ፀጥታ ስርዓት ኢህወደግ፣ ክሳብ ናብ ሱዳን፤ የመን፤ ኬንያ ሶማልያን ጅቡትን ዶባት ሓሊፎም ብምኻድ ንሶም ዝደልዩዎም ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት  ዓፊኖም ከም ዝወስድዎምን ከምፅእዎም ንዘይከኣሉ ድማ ከምዝቐትልዎም ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።
     ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ካልኦት ዑሱባት ዕጡቓትን ብግልፂ ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት  ዝቃወሙ እዮም ኣብ ልዕሊ ዝበልዎም ዜጋታት ክሳብ መቕተልቲ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስዱ  መሰል ኣለዎም፣ ኣብ ሕድሕድ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ማሕበራት እናዘሩ ከይተረፈ ንኢህወደግ ክመርፁ ከም ዘለዎምን ነዚ ቅቡል ክገብሩ እንተዘይኪኢሎም ግን ዋላ ሓንቲ መንግስታዊ ግልጋሎት ከረኽቡ ከም ዘይኽእሉ፤ ስድርኡ ናይ ምስራሕ  ይኹን ናይ ምምሃር ዕድል ከም ዘይህልዎም ብግልፂ ዝተዘረበሉ ኩነታት ከም ዝነበረን ንኢህወደግ ዘይደገፈ ድኻ ሓረስታይ ማዳበሪያን ካልኦት ንሕርሻ ዝውዕሉ ድጋፋትን ንኸይግበረሎም ከም ዝኽልከሉ ብዝተፋላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከይተረፈ ብተዳጋጋሚ ክግለፅ ፀኒሑ እዩ።
     ኢህወደግ ዕላማታት ፖለቲካዊ ጉዳያቱ ንምስላጥ ክብል ኣብ ዝሓለፉ 24 ዓመታት ዝሓዞ ስልጣን ተጠቒሙ ወተሃደራዊ ማእኸላት ብምቁፅፃርን ናይ ደህንነት መዋቕራቱ ብምጥንኻርን ንናይ ሃገርና ፖለቲካ ንውልቁ ብምቁፅፃር ብዓሌትን ዘርእን ዝተመስረተ ፕሮግራም ሓንፂፁ ኣብ ናይ ሲቢክ ማሕበራትን ካልኦት ትካላትን ኣትዩ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ክፍፅሞም ዝፀንሐን ዘሎን ተግባር ራዕዲ፣ ህዝብና ኣንዳዕዲዑ ይፈልጦም’ዩ።
   ስለ ዝኾነ ድማ ስርዓት ኢህወዴግ “ ብስም ግብረ-ሽበራ ” ሰላም ሃገር ብምዝራግ፤ ስርዓተ ሕገ መንግስቲ ብምፍርራስ፤ ብምጥፋእ ዘርኢ፤ ብኽሕደት ሃገር ወ.ዘ.ተ ዝብሉ መርትዖ ዘይብሎም ናይ ሓሶት ክሲ ወንጀላት ዝጥቀመሎም ንምንታይ ዕላማ ከም ዝኾነ ግልፂ ስለዝኾነ ንዝኾነ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ከይተሰናበደ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢህወዴግን መሓውራቱን ተቓውምኡ ኣሕይሉ ክቕፅለሉ ይግባእ።