Friday, August 28, 2015

ኣብ ከተማ ነቀምቴ መንበሪ ኣባይቲ ብዶዞራት ኣፍሪሶም ንድያስፖራ ክዕድሉ ዝተንቀሳቐሱ ዕሱባት ገዛኢ ስርዓት ብነባሪ ህዝቢ ዓብዪ ተቓዉሞ ከም ዘጋጠሞም ተፈሊጡ።





   ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ነቀምቴ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ንድኻታት ነበርቲ ፈልዮም ካብ ገዛኹም ዉፁ እቲ መሬት ንድያስፖራ ክንዕድሎ ኢና ኣብ ዝበልሉ ነበርቲ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኣይንወፅእን ስለ ዝበሉ ዕሱባቶም ኣዋፊሮም ብ13 ነሓሰ 2007 ዓ.ም ብዶዞር ከፍርስዎ እንትፍትኑ ህዝቢ ተሓባቢሩ ብእምንን ምሳርን ገጢሙ ንምክልኻል ኣብ ዝፈተንሉ በቲ ግጭት ፋይሳን ነይስን ዝተባሃለ ኣተሓባባሪ ግብሪ ሓይሊ ፖሊስ ብከቢድ ከም ዝቖሰለ ተገሊፁ።
    በቲ ህዝባዊ ሓለፍነት ዘይብሉ ምፍራስ መንበሪ ኣባይቲ ዝተጎድኡ ነበርቲ ዝዕቆበሉ ገዛ ስለ ዘይብሎም ድኻታት ዜጋታት የእዉይን ይበኽዩን ኣብ ዝነበሩሉ ነባሪ ሕብረተ ሰብ ኣብ ጎኖም ኮይኑ ነቶም ዕሱባት መፍረስቲ ከባርሮም ከም ዝፈተነን ብዓሰርተታ ዝቑፀር ገዛዉቲ ከም ዝፈረሰን ድሕሪ ምግላፅ ተግባር ናይቲ ስርዓት ዘይተውሓጠሉ ኣመሓዳሪ ሓንቲ ቀበሌ ዝኾነ ኢብራሂም ዝተባሃለ ሰብ ባዕሉ ካብ ስርሑ ከም ዝወረደ ተፈሊጡ።