Friday, September 18, 2015

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንፅርዬት ትምህርቲ ዕንቅፋት ዝኾኑ ዘለዉ መምህራን እዮም ክብሉ ዘቐረብዎ ሓሳብ ብመምህራን ተቐባልነተ ከምዝሰኣነ ተፈሊጡ።



ኣብ ዝተፈላለያ ሚድያታት እቲ ስርዓት ቀሪቦም ንፅርዬትን ዕብዬትን ትምህርቲ ሃገርና ኢትዮጵያ ተሓተቲ መምህራን እዮም ክብሉ ጠቅላይ ሚኒስተር ሃይለማርያም  ደሳለኝ   ዘቕረብዎ  መደረ  ብወገን መምህራን  ድማ ነዚ ዕንቅፋት ዝኽውን ዘሎ እቲ ስርዓት ባዕሉ እንትኾን ንሱ ድማ " መምህራን ቤት ትምህርቲ ገዲፎም ናይቲ ስርዓት ፖለቲካዊ ስራሕቲ ክሰርሑ ሰለዝግደዱ፤ ብትምህርቶም ዝደኸሙ  ናብ ክፍሊ ትምህርቲ  ስለ ዝምደቡ ፤ ንመምህራን ዝኽፈል መሃያ እዝዩ ውሑዱን  ምስ መነባባሮ እዛ ሃገር ዘይመጣጠን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንመንበሪ ዝኸውን ገዛ ስለዘይሃቦም፤ንምምሃር ምስትምሃር ዝሕግዙ ንዋትን እኹል ቀረብ  መፃሕፍትን  ካልኦት  ኣገደስቲ ነገራትን መንግስቲ ከቕርብ ብዘይምኽኣሉን 'ዩ ክብሉ ምላሽ ከምዝሃብሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
    ገዛእቲ ሰርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ዘለዎም ጠመተ እዝዩ ትሑት ብምዃኑ ተማሃሮ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዎም ሚዛን ዝወረደ  ከምዝኾነ ይፍለጥ።