Friday, September 18, 2015

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ግፍዕታት ይፍፅሙ ምህላዎም ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



  ብመሰረት'ቲ ሓበሬታ   ኣብ ከተማ እዲስ ኣበባ ዝርከቡ መጋበርያ ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ኣባላት  ፌደራል ፖሊስ  ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ  ኣበባ   ግፍዕታት የውርዱ ምህላዎም  ድሕሪ ምግላፅ ካብቶም ግፍዕታት ዝወረዳ ጓል 20 ዓመት ዝኾነት  መንእሰይ ሰሎሜ  እንትትኮን ንሳ   ኣብ መዘናግዒ  ስፍራ  እናሃለወት    ሓደ ኣባል  ፌደራል ፖሊስ ብጥይት ተኩሱ ከምዝቐተላ   ክፍለጥ ተኻኢሉ።
     ናይ መንእሰይ  ሰሎሜ ስነ ስርዓት  ቀብሪ ብ4 መስከረም 2008 ዓ/ም ከምዝተፈፀመ  ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  እዚ ብፌደራል ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ  ከባቢታት ኢትዮጵያ ይፍፀም ስለ ዘሎ ህዝቢ መረረቱ ኣብ ምግላፅ  ይርከብ።