Friday, September 18, 2015

ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ላዕለዎት ሹመኛታት ወያነ ኢሕወዴግ ስልጣን ዝመበገሲኡ ዘይምስምማዕ ፈጢሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ብዝለኣኽዎ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ ።



እዞም ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ሰበስልጣን እቲ ስርዓት  ስልጣን ዝመበገሲኡ  ግጭት ፈጢሮም ከምዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ቅድም ክብል ን20 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ ኣይተ እስማዒል ዓሊ ሴሮ   ኣብ ዚ ስርዓት እምነት የብልካን ተባሂሎም ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም ብኣይተ ጠሃ መሓመድ  ዝተብሃለ ካድረ ወያነ ምሰተተክኡ ሰዓብቲ ናይ ኣይተ እስማዒል ሰለዘይተቐበልዎ  እቲ ዘይምስምዕማዕ  ከም ዝተፈጥረ  ተገሊፁ።
   ኣይተ እስማዒል  ኣብ ዝሓለፉ ዘመነ ስልጣኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘወረድዎ  በደል  ንኸይወፅእን ህዝቢ ከይሓቶምን ብድገፍቶም  ኮነ ተባሂሉ ዝተምህዘ  ምልዕዓል  ከምዝኾነ ገለ ተዓዘብቲ እታ ኽልል ይገልፁ።