Wednesday, September 23, 2015

ገዛኢ ኣምባገነን መንግስቲ ኢህወዴግ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ንይምሰል ናይ ሙስና ገበን መርመራ የካይድ ምህላዉ ተፈሊጡ፣



   እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ናይቲ ስርዓት ተለኣኣኸቲ ብዝኾኑ ናይ ፈደራል ስነ ምግባርን ፀር ግዕዝይና ኮሚሽን ኣብ ሚኒስትሪ   ምክልኻል  እዛ ሃገር  ወሲኹ ኣብ  ልዕሊ 20 ዝኾኑ ናይ ኢህወዴግ  ትካላት ናይ ይምሰል መርመራ እናካየደ ምዃኑን ካብኣቶም ኣብ ዝተወሰኑ ድማ ብመርትዖታት  ብምድጋፍ  ክሲ ከም ዝመስረተ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ  ነቲ መላኺ ስርዓት  ንምሕላዉ ደው ዝበለ  ፀረ ግዕዝይና ዝተብሃለ  ኮሚሽን  ክልተ ናይ ግዕዝይና ገበናት ድሮ ከም ዝበፅሖን ካብኣቶም  ሓደ ኣብ ውሽጢ ‘ቲ ምክልኻል እንትኾን  እቲ ምኽንያት ድማ  ካብ ሕጊ ወፃኢ   ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዶላር ንዕድጊት ዊዒሉ ብዝብል  ብዝተጭበርበረ ሰነድ ምዃኑን  ኣረዲኡ፣       

    እዚ ከምዚ እንከሎ ኣብ ምክልኻል ተፈፂሙ  ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ጉዳይ ድማ  ኣብ  ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ 171 ሬጅመንት ኣብ 9ተ መኮንናት ምክልኻል  እንትኾን ንሱ ድማ ንናይቲ ክፍለ ጦር ኣባላትን ቤተሶቦምን ብዝተሓተ ዋጋ ንኽውዕል ዝተሓሰበ ሽኮር ምስ ነጋዶ ተመሻጢሮም  ብምሻጥ ካብ 2.2 ሚልዮን ብር ንላዕሊ ኣብ ወልቃዊ ጥቕሞም ኣውዒሎሞ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ  ኮይኑ እቲ ናይቲ ስርዓት መጋበርያ  ዝኾነ  ኮሚሽን  ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጠርጠርቲ ናይ ይምሰል ክሲ መስሪቱ ከምዘሎ ድማ  ተሓቢሩ፣