Wednesday, September 23, 2015

ህወሓት ኢህወዴግ ስለ ዝተዳኸመ እቶም ናይ ቀደም ኣባላቱ ንምትእኽኻብ ክሳብ ሎሚ ፈተነታት ይገብር ከም ዘሎ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ገሊፆም።




ናይ ህወሓት መስራትን ኣብዚ ሐዚ ግዜ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ናይ ሓባር ቃልሲ ሸንጎ ኣባል ዝኾኑ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ምስ ኢሳት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ህወሓት ኢህወዴግ ኣብዚ ሐዚ ግዜ ብዝለዓለ ደረጃ ተዳኺሙ ብምህላው ካብቲ ውድብ ለቒቖም ዝጸንሑ ኣባላቱ ብምዝርራብ ናብ ውድቦም ክምለሱ ንምግባር ጻዕርታት የካይድ ከም ዘሎ ኣቃሊዖም
  
ህወሓት ኢህወዴግ ብናይ ባዕሉ ውሽጣዊ ጸገም ከም ዝተዳኸመ ዝገለጹ ዶክተር ኣረጋዊ ንባዕሎም 'ውን ናብ ዓዶም ንክኣትው ናይ ኢህወዴግ ሰበስልጣን ብተደጋጋሚ ከም ዘዘራረቡዎም ይኹን 'ምበር ንሶም ኣንፃር እቲ ስርዓት ይቃለሱ ስለ ዘለዉ ነቲ ፃውዒት ከም ዝነፀግዎ ሓቢሮም
 
ዶ/ር አረጋዊ በርሀ ኣብዚ ቀረባ ኣቦ ወምበር ዴምህት ዝነበረ ሞላ ኣስገዶም ናብ ህወሓት ኢዱ ምሃብ ወይ ድማ ካልኦት ናይ ቀደም ተጋደልቲ ነበር ናብ ህወሓት ምምላሶም ንህወሓት ኢህወዴግ ንኡሽተይ ትንፋስ ክህቦ እንተዘይኮይኑ ጸገሙ ክቐርፈሉ ኣይኽእልን እኳ ዳኣ ቃልሲ ውፁዓት ዘጋድድ እዩ ክብሉ ገሊፆም 

ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ውድብ ዴምህትን ዝፀንሐ ርክብ ነይሩኩም'ዶ ተባሂሎም ኣብ ዝተሓተቱሉ ድማ ፍሰሃ ሃይለማርያም ነቲ ውድብ እናመርሖ ኣብ ዝነበረሉ ርክብ ከም ዝነበሮም ድሕሪ ምምፃእ ሞላ ኣስገዶም ግን እቲ ርክብ ከም ዝተቛረጸ ንሞላ ብተደጋጋሚ ክቐርብዎ ይፍትኑ እኳ እንተነበሩ ፍቓደኛ ከይኮነ ከም ዝተረፈ ገሊጾም
ዶ/ር አረጋዊ ወሲኾም። ሞላ ይኹን ካልኦት ናይ ህወሓት ኢህወዴግ ኣባላት ናብቲ ውድብ ተመሊሶም ምእታዎም ህዝቢ ትግራይ ክውቀስ ከም ዘይግበኦ፥ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህወሓት ደሚርካ ንምርኣይ ዝግበር ፈተነ ከም ህወሓት ኢህወዴግ ዓሌታዊ ምዃንን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ጸገም ንዘይ ምርኣይ ካብ ምድላይ ዝለዓል ስለ ዝኾነ ክእረም ኣለዎ ክብሉ ኣታሓሳሲቦም።

ካብ መስረትቲ ውድብ ህወሓት ሓደ ዝኾኑ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ዲሞክራሲያዊ መሰረት ዘለዎ ስርዓት ንምህናጽ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ሓይልታት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ንምውጋድን ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ዝግበር ቃልሲ ንምቅልጣፍን ክትሓባበሩ ይግበኦም ክብሉ ተላብዮም።