Sunday, January 31, 2016

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ ንናይ ሕብረት ኣፍሪካ መራሕቲ ኣኼባ ስዒቡ ኢህወዴግ ናይ ፀጥታ ስግኣት ስለ ዝሓደሮ ኣብ ኣካረይቲ መኻይን ተፅዕኖ ክገብር ከም ዝቐነየ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ተቓዉሞ ተታሓሒዙ ናይ ፀጥታ ስግኣት ስለ ዝተፈጥረ፣ ኢህወዴግ ንድሕንነት ብዝብል ሽፋን ንኣካረይቲ መኻይን ዝኾኑ ማሕበራት፣ ንመን ከካርዩ ከም ዘለዎምን ዝተማልአ ሓበሬታ ምእንቲ ክህልዎምን ብዝብል ሽፋን ጥብቂ መምርሒ ዘምሓላለፈ እንትኸዉን፣ ነቲ መምርሒ ዘየኽበረ ኣካራይ ድማ ከቢድ ስጉምቲ ከም ዝዉሰደሉ ናይ መጠንቀቕታ መምርሒ ከም ዝተመሓላለፈ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ ሓለፍቲ ድህንነት ናይቲ ጉጅለ ናይ መኪና ኣካረይቲ ሰብ ዋና ትካላት ብምፅዋዕ፣ ኮድ ክልተ ዝኾነ ናይ ውልቂ ሰሌዳ ዝለጠፋ ተሽከርከርቲ ጥራሕ ንኽራይ ከም ዝቐርባ መምርሒ ዝተዉሃበ እንትኾን፣ እቶም ናይ መኪና ኣካረቲ ሰብ ትካል ድማ ነቲ መምርሒ ከም ዘይተቐበልዎ ተገሊፁ።

No comments:

Post a Comment