Sunday, January 31, 2016

መንግስቲ ንውጥን ምስፋሕ አዲስ አበባ ከተማ ደው ከም ዘበሎ እዃ እንተገለፀ አብ ክልል ኦሮምያ ግን ተቃውሞ ይቅፅል ኣሎ።



ኣብ ክልል ኦሮምያ ምስፋሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ኢሉ ንዘዉፅኦ ውጥን ኢህወዴግ ደዉ  ከም ዘበሎ  ድሕሪ ምግላፁ 'ውን እንተኾነ፣ ህዝቢ እቲ መግለፂ ንመዘንግዒ እምበር በቲ ስርዓት ተኣሚንሉ ዘላቒ ክኾን ኣይኽእል ካብ ዝብል ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ናይቲ ክልል ተቃውሞ ይቕፅል ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ከም መቐፀልታ እቲ ተቓውሞ ከዓ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ምብራቅ ወለጋ ኣብ ከተማ ኦርጆ ጉደቱ ኣብ ሓደ ስነ-ስርዓት መርዓ ኣብ መንጎ ደርፍን ሳዕስዒትን ንዝተላዕለ ድምፂ ተቃውሞ ደው ንምባል ሓይልታት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብዝወሰድዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ሓደ መንእሰይ ከም ዝሞተን ካልኦት ሰለስተ ድማ ከም ዝቖሰሉን ሓደ ሽሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ናይ ዓይኒ ምስክር ካብቲ ቦታ ንሚድያታት ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ገሊፆም።
እቲ ዝሞተ መንእሰይ ዘሪሁን ጂሬኛ ዝበሃል ኮይኑ ኣብ ሆስፒታል ነቀምቴ ሞይቱ ሬስኡ ናብ ኦርጆ ጊድቱ ከም ተወሲዱ ከም ዝተቐብረን እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

No comments:

Post a Comment