Tuesday, January 5, 2016

ምምሕዳር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ዉሽጡ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መሰል ስርሖም ስለ ዝሓተቱ፣ ካብ ሕግን ኣሰራርሓን ወፃኢ ደሞዞም ይእግዶም ምህላዉ ተፈሊጡ።



ምንጭታት ከም ዝገለፅዎ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፋራት ስራሕቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተቖፂሮም ካብ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት በቢወርሑ ደሞዞም ዝእገዱ ብቁፅሮም ቀሊል ከም ዘይኮኑ ድሕሪ ምግላፅ፣ ብፍላይ ተሓጋገዝቲ ቴክኒካል ኣብ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኣብ ዕቤት ስራሕን ትምህርትን ከምኡ’ዉን ኣብ ኣሰራርሓ መንግስቲ ዝረአይ ግልፂ ዘይኮነ ኣካይዳን ካልኦት ግዕዙይ ኣሰራርሓታትን ኣመልኪቶም ናይ መሰል ሕቶ ብምቕራቦም ናይ ወርሒ ሕዳር ደሞዞም ምእጋዱ ንግዳያት መሰረት ብምግባር እቲ ሓበሬታ ገሊፁ።

ኣብ ምምሕዳር ዩኒቨርሲቲ መቐለ መሰል ሰራሕተኛታት ምጥሓስ ብቐፃሊ ከም ዝፍፀምን፣ ነዚ ኣብ ልዕልኦም ዝፍፀም ግዕዙይ ኣሰራርሓታት ንዝተቓወሙ ሰራሕተኛታት ድማ ካብ ደሞዝ ምእጋድ ሰጊሩ ክሳብ ካብ ስራሕ ምእጋድን ምብራርን ስጉምቲ ብምዉሳድ ነቲ ሰራሕተኛ ርእሱ ከድንን ከም ዝገብርዎ ድሕሪ ምላፅ፣ እዚ ከም'ዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣብ ኩሉ ዩኒቨርሲትታት ሃገርናን ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግን ዝስርሓሉ ዘሎ ፀረ ሰናይ ምምሕዳር ኣይካይዳ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።