Thursday, January 28, 2016

ኢትዮጵያ ካብ መሸጣ ሓይሊ ኤላክትሪክ ንምርካብ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት እተካይዶም ስምምዓት ንፖሎቲካዊ ጉዳያት ተውዕሎ ከም ዘላ ዓለም ለኻዊ ናይ ሓይሊ ኢነርጂ ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ።



ዓለም ለኻዊ ናይ ሓይሊ ኢነርጂ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፣ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከስቢ ንምርካብ ብዝብል ምስ ጎረባብቲ ሃገራት እተካይዶም ስምምዓት፣ ንፖሎቲካዊ ጉዳያት ተውዕሎ ከም ዘላ  ድሕሪ ምግላፅ፣ እቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን እታ ሃገር ትጥቀሞ ዘላ 2,368 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይኑ፣ መዓዝ ተሰሪሑ ከም ዝዛዘም ብዘይ ተገደበ ግዜ ተሓሲቡ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ካብ 10 ሽሕ ሜጋ ዋት ንላዕሊ እዩ ብዝብል ምስ ኬንያ፤ ጅቡትን ሱዳንን ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መሸጣ ስምምዕነት ብምግባር ከምኡ እውን  ምስ ሩዋንዳ፤ ታንዛንያ፤ ደቡብ ሱዳንን ብሩንድን ኣብ ምድርዳር ከም ዘላ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
እቲ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መሸጣ ቅድም ኢሉ እውን ናብ ጎረቤት ሃገር ብሕሳር ዋጋ ከም ዝጀምረቶ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እቲ ሐዚ ምስ ብርክት ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት እትገብሮ ዘላ ናይ መሸጣ  ስምምዓት ዋግኡ ብጣዕሚ ዝሓሰረን ናይ ዓለም ሓይሊ ኤሌክትሪክ መሸጣ ዋጋ ዘየገናዘበ ብምዃኑ፣ ናይ'ቲ ዋጋ ድርድር ንኢኮኖምያዊ ጥቕሚ ዘይኮነስ ንፖሎቲካዊ ከስቢ ዝውዕል እዩ ብምባል፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን  እቲ ዓለም ለኻዊ ናይ ሓይሊ ኢነርጂ ቤት ምኽሪ ንበዓል ስልጣን ሚኒስተር ማይ መስኖን ኤሌክትሪክን  ደብዴቤ ከም ዝለኣኸ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ መወዳእታ፣ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብዝኸፈአ መልክዑ ብሕፅረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ህዝቢ ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ሂወቱ  ኣብ ምምራሕ ከይተረጋገዐን ጠለባት ሕቶታቱ ከይተመለሰን ንጎረባብቲ ሃገራት ንምሻጥ  ስምምዓትን ድርድርን ምክያድ ብህዝቢ ምልጋፅ እዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ይፍለጥ።


No comments:

Post a Comment