Thursday, January 28, 2016

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ባዕኸር ዝርከቡ መናእሰይ ንሕና ክልልና ኣምሓራ እዩ ሕቶና ይመለሰልና ብምባል፣ ናይ ተቓዉሞ ድምፆም ከም ዘስምዑ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ብ11 ጥሪ 2008 ዓ/ም ነበርቲ ከተማ ባዕኸር ዝኾኑ መናእሰይ "ንሕና ክልልና ምስ ኣምሓራ እዩ" ዝብል ሕቶ ብምልዓል ካብ ስዓት ሓደ ምሸት ጀሚሮም ክሳብ ስዓት 6 ናይ ለይቲ ተቓዉሞ ዘካየዱ እንትኾኑ፣ ምክልኻል ሰራዊትን ፌደራል ፖሊስን ነቲ ሰልፊ ንምብታን ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፣ ኢህወዴግ ዕድመ ስልጣኑ ኣብቂዑ እዩ፤ ተዓገሱ ፅባሕ ህዝቢ ክፈርደኩም እዩ ክብሉ ነቲ ሰራዊት ዘደናግፅ ድምፂ ከም ዘስምዑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብተመሰሳሊ ብ13ን 14ን  ጥሪ 2008 ዓ/ም ኣብ ከተማ ጎንደር ናይ ወልቃይት ፀገዴ መንነት ይመለስ ክልልና ካብ ተከዘ ጀሚሩ ምስ ክልል ኣምሓራ እዩ ዝብልን ካልእን ሕቶታት ዝሓዘ ፓምፕሌት ተበቲኑ ከም ዝተረኸበን፣ ኣብ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ድማ ከቢድ ወጥሪ ፈጢሩ ምህላው ተገሊፁ።  


No comments:

Post a Comment