Tuesday, March 29, 2016

ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ነቀምቲ ተምሃሮ ብዘልዓልዎ ሰለማዊ ሰልፊ ምኽንያት ልዕሊ 100 መምህራን ከም ዝተኣሰሩ ካብ'ቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ነቀምቲ ብ15 መጋቢት 2008 ዓ/ም ተምሃሮ ብዘልዓልዎ ሰለማዊ ሰልፊ ምኽንያት፣ ልዕሊ 100 መምህራን ከም ዝተኣሰሩ ድሕሪ ምግላፅ፣ እቲ ብተምሃሮ ዝተልዓለ ኣንፃር ፀረ ህዝቢ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዘነፃፀረ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ዘስምዑዎ ዝነበሩ ናይ ሓባር ድምፂ፣ "ብትእዛዝ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ልዕሊ ንፁህ ወገን ብሓይልታት ፀጥታ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ጠጠው የብል" ዝብልን ካልእን የስምዑ ከም ዝወዓሉ ተፈሊጡ።
ነቲ ብተምሃሮ ዝተልዓለ ተቓውሞ ስዒቡ ላዕለዎት ኣመሓደርትን ናይ ፀፅታ ኣካላትን ኣብ ላዕለዋይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንዘምህሩ ልዕሊ 100 መምህራን  ንስኹም ኢኹም ነዚ ተቓውሞ ተምሃሮ ንኽለዓዓል ገይርኩም ብዝብል ምኽንያት ከም ዝኣሰርዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
ካብ'ቶም ዝተኣሰሩ መምህራን ንምጥቃስ ድማ፣ 1. ኣመኑ ዝተብሃለ ናይ ባዮሎጂ መምህር 2. ኣለማየህ ዝተብሃለ ናይ ኬምስትሪ መምህር 3. ኣጅጋ ናይ ፊዚክስ መምህር 4. መምህር ለገሰን ካልኦትን ካብቶም ብዘይ ወዓልዎ ገበን ዝተኣሰሩ ገሊኦም ከም ዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment