ምንጭታትና
ካብታ ከተማ ከም ዝሓበርዎ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ብማሕበር ወነንቲ ባጃጅ ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ፣ እቲ ምምሕዳር ዘውፀኦ አግባብነት ዘይብሉ
ናይ ባጃጅ ሕጊ ብምቅዋም ካብ 14 መጋቢት 2008 ዓ/ም ጀሚሮም ኣብ ቀበሌ 13 ጥቃ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት እቲ ማሕበር ሰራሕ ጠጠው
ናይ ምባል ኣድማ እናገበሩ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ናይ'ቲ
ተቃውሞ ቀንዲ ምክንያት ድማ ቤት ፅሕፈት መጓዓዝያን ኣገልግሎትን ናይ'ታ ከተማ እቶም ሰብ ባጃጅ ካብ ዕለት 1 መጋቢት 2008
ዓ/ም ጀሚሮም ካብ ዝተመደብዎ ወፃኢ ሓሊፎም ናብ ካሊእ ቦታ ናይ ኩንትራት ኣገልግሎት ክህቡ ከም ዘይብሎምን ነናብ ዝወፍርዎ ቦታታት
ድማ ታፔላ ክገብሩን ዝብል ኮይኑ፣ ነዚ ብምቅዋም ድማ እቲ ማሕበር ብሙሉእ ድምፂ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ክወስድ ወሲኑ
ስለ ዝተቓወመ፣ መንግስቲ ድማ ኣብዚ ሐዚ ግዜ ካብ ተገልጋሊ ህዝቢ ሓያል ሕቶ ስለ ዝቐረበሉ እቲ ናይ ባጃጅ መስመር ብዓበይቲ ታክሲ
ከም ዝተከኦ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም
ሰብ ባጃጅ ብመንግስቲ ንክንቀሳቀሱ ዝተወሰነሎም ከባብታት መቐለ ንምጥቃስ ዝኣክል፣ ሓውዜን ኣደባባይ - መቐለ ሆስፒታል፤ እንዳዓኮራ
- ዒላላ፤ ጅብሩኽ - ቀበሌ 17፤ ጅብሩኽ - ቀበሌ 18ን ካልኦትን
ዝብል ኮይኑ መንግስቲ ነዚ ንምግባር ንኣስታት 6 ወርሒ ክዳለወሉ ከም ዝፀነሐ ድሕሪ ምግላፅ፣ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ኣድማ፣ እተን
ባጃጃት ምሸት ምሸት ዝዓመኦ ዝነበራ ናይ ትራንስፖርት አገልግሎት ክቋረፅ ከም ዝተገብረ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
No comments:
Post a Comment