ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ
ሰሜን ጎንደር ኣብ ከባብታት ጋይንት ዝነብሩ ብሄረሰባት ቅማንትን ኣምሓራን ኣብ ሞንጎኦም ቅድም ኢሉ ተወሊዑ ዝነበረ ሓያል
ግጭት ንግዝኡ ዝዛሓለ መሲሉ እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ዝነበረ ግጨት ከም ብሓዱሽ ተወሊዑ ካብ ክልትኡ ብሄረሰብ
ብዙሕ ህይወት ሰብ ይጠፍእ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልትኦም ብሄረሰባት ዝካየድ ዘሎ ግጭት
ብፍላይ ብ20 ለካቲት 2008 ዓ.ም ኣብ ብዝኸፈአ ቀፂሉ ኣብ ዝወዓለሉ 8 ሰባት ካብ ክልትኡ ወገን ብዘስካሕክሕ ኩነታት
ዝተቐተሉ ኮይኖም፣ ሰበ ስልጣን ገዛኢ ስርዓት ብኣዴን ኢህወዴግ ነቲ ግጭት ዝተፈላለዩ ሜላታት ብምፍጣር ክጋደድ ይገብርዎ ከም
ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
No comments:
Post a Comment