ካብ ውሽጢ ምክልኻል ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፣
ሰራዊት ምክልኻል ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ነቲ ውትህደርና ብምፅላእ ወገሐ ፀብሐ ኣሃዱታቱ ራሕሪሑ ኣብ ምጥፋእ ከም ዝርከብ ድሕሪ
ምግላፅ፣ በዚ ኩነታት ንነውዊሕ እዋን ተዛሪቦም መፍትሒ ዝሰኣኑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ነንባዕሎም ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣኼባ፣ እቲ
ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ብምፅልላም ይመናጨቱ ከም ዘለዉን ገለ ኣዘዝቲ 'ዉን ዝተባረሩ ምህላዎም ተገሊፁ።
ካብ'ቶም ኣመራርሓኹም ፅቡቕ ብዘይ ምዃኑ ሰራዊት ይጠፍእ
ኣሎ ተባሂሎም ዝተባረሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኮኔሬል ይሕደጎ ተስፋይን ኮኔሬል ፍታው ዘገየን ዝተባህሉ ዝርከብዎም 6 ኮኔሬላት ካብ
አሜን እዚ ጥራሕ ከም ዝተባረሩ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
No comments:
Post a Comment