Tuesday, March 29, 2016

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሽዋ ከተማ ኣምቦ ዝርከቡ መናእሰይ በቲ ገዛኢ ስርዓት ይእሰሩን ይጭወዩን ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብ'ቲ ቦታ ሓቢሮም።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ  ዞባ ምዕራብ ሽዋ ከተማ ኣምቦ ነበርቲ ዝኾኑ መናእሰይ ብካድረታት ብዘይውዓልዎ ገበን ተኸሲሶም ብፌደራል ፖሊስ ናይ'ቲ ስርዓት ይእሰሩን ይጭወዩን ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ፣ ብምዃኑ ድማ ብ8 መጋቢት 2008 ዓ/ም ኣንፃር መንግስቲ ንህዝቢ ተለዓዕሉ ኣለኹም ተባሂሎም ከካብ ገዝኦም ብፌደራል ፖሊስ ናይ'ቲ ስርዓት ተዓፊኖም ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ካብ  ዝተወሰዱ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፣- መንእሰይ ጫላ መገርሳን መምህር ኣዱኛ ኣራርሶ ዝትብሃሉ ንፁሃን ወገናት ዝርከብዎም ኮይኖም ንሳቶም  እንፈልጦ ነገር የለን ናይ'ታ ከተማ ህዝቢ ንፁሃት ምዃና ይፈልጠና እዩ እናበሉ ብመኪና ተፃዒኖም ከም ዝተወሰዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ፣ እዚ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣምቦ ዝተኻየደ ኢ-ሰብኣዊ ስጉምቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ዝወሰድ ዘሎ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ኣታኣላሊያ ናይ'ቲ ስርዓት መቐፀልታ ከም ዝኾነ ገሊፁ።


No comments:

Post a Comment