እቲ
ሓበሬታ ከም ዝገለፆ፣ ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዞባ ከምባታ ወረዳ ሽሽቾ ዝረከብ ነባሪ ህዝቢ ብሕፅረት ኣፋውስ ሕክምና ንዝተፈላለየ
ሓደጋ ኣብ ምስጣሕ ዝርከብ ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብ'ታ ወረዳ ዘላ ማእከላይ ሆስፒታል ንፅህነኦም ዘይተሓለዉ መሳርሒ ናውቲ ሕክምና ትውንን
ብምዃና፣ ኣዴታት ኣብ ግዜ ወሊድ ክሕከማ ኣብ ዝኸዳሉ በቲ ንፅህንኡ ዘይሓለወ መሳርሒ ናውቲ ሕክምና ስለ ዝግልገላ እተን ኣዴታትን
ህፃናተን ንብርክት ዝበለ ፀገማት ይሳጣሓ ከም ዘለዋ ሓንቲ ሽሞን ክግለፀለን ዘይደለያ ኣደ ነባሪት ናይ'ታ ወረዳ ብምረት ገሊፀን።
እቲ
ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ፣ እቲ ፀገም ብፍላይ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኩነታት እንትረአ ናይ'ቱ
ትካል ጥዕና ኣካይዳ እናተበላሸወ ይኸይድ ከም ዘሎን ሰኣን ኣቅርቦት መድሓኒት ድማ ናብ ላዕለዋይ ሆስፒታል ንምኻድ ገንዘብናን ጉልበትናን
ንኸስር ኣለና ክብሉ ነበርቲ ናይ'ታ ወረዳ ብምረት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።
No comments:
Post a Comment