Tuesday, March 29, 2016

ሰራዊት ምክልኻል ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ነቲ ውትድርና እናራሕረሐ ብዘይ ምቁራፅ ይጠፍእ ብምህላው፣ ሓይሊ ሰብ እቲ ሰራዊት ተመናሚኑ ከም ዘሎ ካብ'ቲ ምክልኻል ልሒኹ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።



እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ከም ዘርድኦ፣ ሰራዊት ምክልኻል ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ነቲ ውትድርና እናራሕርሐ በቢግዚኡ ብዘይ ምቁራፅ ይጠፍእ ከም ዝፀንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ነቲ ኣብ መላእ ከባብታት ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ፍታሕ ዝሰኣነ ዕግርግርን ግጭትን ተፈጢሩ ኣብ ዘለሉ ምስኡ ጎኒ ጎኒ ድማ እቲ ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ውትድርና ጠንጢንዎ ናብ ዝሕሾ ይኸይድ ስለ ዘሎ ዓቕሚ ሰብ ናይ'ቲ ሰራዊት ተመናሚኑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ነቲ ዝተመናመነ ዓቕሚ ሰብ ንምትካእ ብዝብል ቅድሚ ሕዚ ብምብራር ኮነ ብምስንባት ካብ'ቲ ውትድርና ንዘውፅእዎም ሰባት፣ ሓዱሽ ንገዛ መስርሒ መሬት ክወሃቦኩም እዩ፤ ናብ ዓቃቢ ሰላም ክትለኣኹ ኢኹም ዝብሉ ዝተለመደ ናይ መደናገሪ ሜላታት ተጠቒሞም ምሕፅንታ ብምቕራብ ናብ ሰራዊት ክምለሱ ኣብ ዝሓተትሉ ዝቕበሎም ሰብ ብምስኣኖም ኣብ ናይ ምፍርራሕን ግዴታን ተግባርት ተፀሚዶም ከም ዘለው እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

No comments:

Post a Comment