ዝበፀሓና
ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ብሰንኪ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ዝቡዕ ፖሊሲ ምኽንያት ዝወለዶ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ
ዞባ ምዕራብ ወለጋ ዝርከቡ ተወላዲ ኣምሓራ ካብ ዝኾኑ ኣይተ ደምሰው ኣሰፋን ጌታቸው ኣሰፋን ዝተብሃሉ ኣሕዋት ዝተቐተሉ እንትኾኑ፣
ካብ ትግራይ ተወለድቲ ድማ መብራህቶም መዓሾ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ብካራ ሰውነቱ ብምሕራድ ህይወቱ ዘሕለፍዎ ምዃኖም ዝበፀሓና ሓበሬታ
ኣረዲኡ።
ግዕዙይ
ኣካይዳ ኣገዛዝኣ ስርዓት ኢህወዴግ ብዝፈጠሮ ሽግር እቲ ቅድም ኢሉ ናይ ሓደ ክልል ተወላዲ ናብ ካልእ ብሄር ክልል ተቀሳቕሱ እናሰረሐ
ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተወላዲ ካልእ ክልል ብምዃኖም ጥራሕ ንብረቶም ብምቅፃል ብምሕዳግን ብዘስካሕክሕ ኩነታት
ህይወቶም ይሓልፍ ምህላዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
No comments:
Post a Comment