Monday, March 7, 2016

መሰል ደቂ ኣነስትዮ ብኢህወደግ ኣይረጋገፅን!!



ደቂ ኣነስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ምዃነን ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እኳ እንተኾነ፣ ብሰንኪ  እቶም ዝነበሩ ውልቀ መለኽቲ ስርዓታት ሃገርና፣ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወት ሕብረተሰብ ብማዕረ ክጥቀማን ክሳተፋን ከምኡ ‘ውን ኣብ መድረኽ ወፂአን ድምፀን ዘስማዓሉ ባይታ ይኹን ዕድል ከይረኽባ ዴሞክራስያዊ መሰለን ተዓፊነን እየን።
         ብምዃኑ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊአን ተፃዒንወን ካብ ዝነበረ ሕሰምን መከራን ንምልቓቕ ከም ኩሉ ውፁዕ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ንምእንቲ ዴሞራስያዊ መሰለን፤ ማሕበራዊ ፍትሕን፤ ማዕርነትን፤ ንሰላምን ቁጠባዊ ምዕባለን ንምርግጋፅ ክብላ፣ ኣብ ዝተኻየደ ሕሉፍ ቃልሲ 17 ዓመታት ግደ ደቂ ኣነስትዮ ሃገርና ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ፣ ኣብቲ ዝኻየደ  መስተንክራዊ ዝኾነ ተጋድሎ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ስክልናን ከፊለን ሰጊረነኦ።

        ብምዃኑ ድማ ደቂ ኣነስትዮ ሃገርና ንመሰለንን ንመሰል ካልእ ውፁዕ ህዝብን ክብላ ኣብ ኩሉ መዳያት እቲ ቃልሲ ዝጠልቦ ዘበለ ዕማማት ኣብ ምዕማም ብዘጋጥመን ባህርያውን ሰብ ስራሕን ተፃብኦታት ከይተሰኮና ማዕረ እቲ ወዲ ተባዕታይ ብፃየን ዓጢቐን፣ ኣብ ዓወደ ኲናት ግንባረን ንዓረር ሂበን ብእግረን ፈንጂ ረጊፀን ቅድሚት እናጠጎጓ ዋዕሮታት ገሊ ኣስምየን።

        ደቂ ኣነስትዮ ሃገርና ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ እዚ ኩሉ መስተንክር ዘበለ ከቢድ መስዋእቲ ከፊለን  ሰንኪለን ጅግንነታዊ ታሪኽ ፈፂመን ዋዕሮታት ኮይነን ዕላማአን ናብ ዓወት ኣብፂሐን ከብቅዓ ፍረ ፃማ ቃልሰንን መስዋእተንን ብጠላም ፀረ-ህዝቢ ስርዓት ጉጅለ ህወሓት ኢህወደግ ተጨውዩ እቲ ደም ዝመፀ ዓወት ባኺኑ ብምትራፉ፣ ሎሚ ኣብ ዝኸፈአ ተደራራቢ ፀገም ተሳጢሐን ሓሳረ መከራ እናሕለፋ ይርከባ።

      ብርግፅ ከዓ ኩሉ ውፁዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘካየዶ መሪርን መስተንክራውን ቃልሲ ናይ 17 ዓመታት  ፃማ ቃልሱ ክረክብ ዘይከኣለ፣ ፍርቂ ኣካል ሕ/ሰብ ዝኾና ውፁዓት ደቂ ኣነስትዮ ንበይነን ተነፂለን ተጠቀምቲ ክኾና ኣይኽእላን።

     ስለዚ እቲ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ይኹን መላእ ህዝቢ ሃገር ዝወርድ ዘሎ ኣገዛዝኣ ግፍዓውን ኣዝዩ ኣሰቃቕን ብምዃኑ፣ ደቂ ኣነስትዮ ከም ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ መሰል ኣልቦ ኮይነን ድርብ ወፅዓ ስርዓት ህወሓት ኢህወደግ ኣብ ልዕሊአን ተዳዕኒንወን ኣብ ሕሱም ናብራ ወዲቐን፣ ኣደዳ ስደት፤ ጥምየት፤ ሕማም፤ ድንቁርናን፤ ዓመፅን፤ ማእሰርት፤ ስቓይን ሞትን ኮይነን ይርከባ።
      ብሰንኪ ኣብ ሃገርና ዝፍፀም ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰልን ስእነት ስራሕን ዝወለዶ፣ ኣብ ማሕበራዊ መነባብሮ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ሃሰያ ምፍጣሩ ተደማሚሩ፣ ነዚ ምፅዋር ዝሰኣና ወገናትና ዝረኸበ ይርከበና ኢለን ናብ ስደት ኣብ ዘምርሓሉ ኣብ ፈቐዱኡ በረኻታት ይኹን ባሕሪ፣ ብዘስካሕኽሕ መንገዲ ግዳይ ዓመፅን ዉርደትን እናኾና እየም ዘለዋ።
      መፃኢ ዕድለን እውን እንተኾነ ነፃ ኮይነን ንመሰለን ከይስለፋ፣ ከይማጎታን ከይውደባን ከይፅሕፋን ኣፀልሚቱ፣ ብሹም ማሕበር፤ ሊግ፤ ፈደረሽን ደቂ ኣነስትዮ፤ ምስልጣን ኣመራርሓ ኣካዳሚ መለስ ወዘተ ብዝብሉ ኣሽማትን ስልትን ብምስባኽ፣ ከም ሓደ ኣካልን ኣምሳልን ናይ’ቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ገይሩ ብምቕራፅ፣ ኣብ ትሕቲኡ ኮይነን ይሕመቕ ይፀብቕ ንዕኡ ጥራሕ ኣሚነን ክኸዳ ብምግባር ንወፅዐዐን ከይቃለሳ ብዝገደደ ዓፈነአን ክቕፅል ይገብር ኣሎ።
     ብምዃኑ ድማ ነቲ ንፍትሒ ንሰላም ንዴሞክራስያዊ መሰል ንማዕርነትን ምክእኣልን ንምስፋን ዝተኻየደ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ሽትኡ ከይወቐዐ ተጠሊሙ፣ ኣብ ውልቀ ሰብ ረብሓ ውሑዳት ብምውዓሉ፣ ሎሚ ብሰንኪ ዓፈናን ግዕዙይ ጉጅለኣዊ ምሕደራን፣ ሃገርን ህዝብን ናብ ሓደጋ ዕንወትን ዕግርግርን ሓድነት ምስኣንን ዘስዓቦ መዓልታዊ ሂወት ንፁሃት ወገናት ኣብ ማእኸል ጎደናታት ይቕዘፍ ኣብዛሓ ዜጋ ድማ ብዘይ ወዓሎ ገበን ብሓይልታት ፀጥታ ተሃዲኑ እናተገረፈ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎን ከሎ ፣ስቓይን ቃንዛን ኣዴታትናን ኣሕዋትናን ደቂ ኣነስትዮ ዝለዓለ ይገብሮ።
    ምኽንያቱ ደቂ ኣነስትዮ ኩሉ ማሕበራዊ ሂወት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾና። ስለ’ዚ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ነቲ ን25 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዜጋ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ክፍፅሞ ዝፀነሐን ዘሎን ግፍዕን መርገፅትን፣ ኣብ ሐዚ በፂሑ ሰብአውን ዴሞክራስያውን መሰል ከረጋግፅ ስለ ዘይኽእል፣ ፆታ ብዘይፈሊ ወጊድ ንገባቲ ስርዓት ብምባል ኣብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ ተሰሊፍና ወፅዓና ክነናግፍ ይግባእ።

No comments:

Post a Comment