Saturday, March 26, 2016

ኣብ ዞባ ምዕራብ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ብዝፈፀምዎ ግዑዝይ ኣሰራርሓ፣ ህዝቢ ብምቅዋም ካብ ስልጣኖም ይኣልዮም ምህላዉ ተገሊፁ።



ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ብገዛኢ ስርዓት ህወሓት/ኢህወዴግ ተሸይሞም ብግዕዙይ ኣሰራርሕኦም ህዝቢ ከሳቕዩ ዝፀንሑ ዘይሓላፍነታዉያን ኣመሓደርቲ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ'ቲ ዞባ ዝርከብ ህዝቢ ብዘካይዶ ዘሎ ሰፊሕ ተቓውሞ ካብ  ስልጣኖም ክእለዩ ብዘቕረቦ ሕቶ ካብ ስልጣኖም ምብራሮም ተገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ፣ እቶም ስልጣኖም ተጠቒሞም ዉልቃዊ ረብሕኦም ብምቕዳም ህዝቢ ክብድሉ ካብ ዝፀንሑ ካድረታት ገለ ንምጥቃስ፣ ናይ'ታ ወረዳ ዋና ኣመሓዳሪ የውሃንስ 150 ሄክታር መሬት ስልጣኑ ተጠቒሙ ኣብ ውልቃዊ ረብሕኡ ከውዕሎ ከም ዝፅነሐ ብህዝቢ ምስ ተረጋገፀ ዝተባረረ ከምኡ'ውን ሰሰን ካሕሳይ ሓላፊ ገጠር መሬት ኮይኑ ክሰርሕ ኣብ ዝፅነሓሉ ምስ ዉልቀ ሃፋትም ብምሽራኽ ዘይግብኦ ረብሓታት ከዋህልል ከም ዝፀንሐ ካብቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። 






No comments:

Post a Comment