Saturday, March 19, 2016

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ዝርከቡ ተማሃሮ እኹልን ፅሬቱ ዝሓለወን ማሕበራዊት ኣገልግሎት ብዘይ ምርካቦም፣ ተደጋጋሚ ሕቶታት ኣብ ምቕራብ ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ካብ'ቲ ቦታ ገሊፆም።



ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ኣብ ውሽጡ ዝማሃሩ ተማሃሮ፣ እኹልን ፅሬቱ ዝሓለወን ምግብን ዝስተ ማይን ብዘይ ምርካቦም ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃልዑ ኣብ ዘለውሉ፣ ደረጅኡ ዝሓለወ ኣገልግሎት ሕክምና ኣብ እዋኑ ስለ ዘይረኽቡ ንነዊሕ እዋን ደቂሶም ብሕማም እናተሳቐዩ ካብ ትምህርቶም የብኩሩ፣ ከም ሰዓቤኑ 'ውን ንዝተፈላለዩ ኣካላዉን ሞራላውን ጉድኣት ብቅልዖም ዝቀሓሩ ተማሃሮ ተወዲቦም ሕቶታት ኣብ ዘቕርብሉ ግቡእ ምላሽ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፣ እቶም ተማሃሮ ኣብ ሕትኦም ፀገም ምግብን ዝስተ ማይን ብሓፈሻ ሽግር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ'ቲ ዩኒቨርሲቲ ክፍታሕ ብተደጋጋሚ ሕቶታት ኣቕርብና ንምንታይ ዘይፍታሕ፤ ናብ'ዚ ዩኒቨርሲቲ ክንማሃር እምበር ብሕማማት ክንሳቐ ኣይመፃእናን፤ ጉዳይ ትምህርትና ከይንገብር ብፀገማት ምሕደራ ንጭነቕ ኣለና ዝብሉን ካልኦትን ሕቶ ኣብ ዘቕርብሉ፣ ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ምሃብ፣ ዓርፍኩም ተማሃሩ ተማሃሩ ካብዚ ዝሰገረ ተማሃሮ ተለዓዕሉ እንተኾይንኩም ግና ከነባርረኩም ኢና ዝብል ምላሽ ይህብዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።




No comments:

Post a Comment