Friday, April 15, 2016

ውድብ ኦህዴድ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት መበል 26 ልደት ዓመቱ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ከተማ መንዲ ንምኽባር ኣብ ዝገብረሉ ዕለት ብነባሪ ህዝቢ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ነበርትን ተምሃሮን ብፖላዊስን ብወተሃደራትን ብከቢድ ተደብዲቦም ንግዝኡ ክብተኑ ከም ዝተገብረ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እንተኾነ ግና እቶም ዕጡቋት ገዛኢ ስርዓት ምስከዱ እቲ ተቓውሞ ህዝቢ ብዝሓየለ መልክዑ ኣጠናኺሩ ኣብ ዝቐፀለሉ፣ ሰልፈኛታት "ኦህዴድ ህዝቢ ኦሮሞ ኣይውክልን፤ ሕቶ ህዝቢ ክሳብ ዘይተመለሰ ተቓውሞና ቀፃሊ እዩ፤ ብዓፈና ዝፍታሕ የለን፤ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ምእንቲ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰልና ክንቃለስ ኢና...." ወዘተ ዝብሉ ጭርሖታት ብምቅላሕ ናይ ተቓውሞ ድምፆም ከም ዘስምዑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ፖላዊስ ገዛኢ ስርዓት በቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ሰልፊ ስለ ዝተደናገፁ፣ ንምንቅስቓስ ህዝቢ እታ ከተማ ብደቂቕ እናተኸታተሉ፣ ካብ ክልተ ንላዕሊ ኮይኖም ብሓደ ንዝጓዓዙ ንዝነበሩ ተምሃሮ ከይተረፉ ንምንታይ ተኣኪብኩም ትኸዱ ኣለኹም እናበሉ በትሪ ብምውጥዋጥ ኣብ ምብታን ተፀሚዶም ከም ዝነበሩ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር መሰረት ብምግባር እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።             


No comments:

Post a Comment