Friday, April 15, 2016

ኣብ ሃገርና ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ካብ ዝብሃሉ እቶም 40 ሚኢታዊ ምስ ግዕዝይና ተኣሳሲሮም ከም ዝፍፀሙ ተገሊፁ።



ኣብ ስለጣን ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብቢልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ወፃኢ ተገይርሎም ኣብ ምስራሕ ኣለው ዝብሃሉ ፕሮጀክቲታት፣ ከቢድ ተግባር ግዕዝይና  ዝፍፀመሎም ተባሂሎም ብሞያተኛታት እናተገለፀ እንትኾን፣ እዚ ናይ ግዕዝይና ተግባር ጠጠው ክብል እንተኾይኑ ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ዝብሃሉ ኮሚሽን ፀረ-ግዕዝይናን ስነ-ምግባርን ኣብዚ ጉዳይ ትኹረት ገይሮም ክሰርሑ ይግብኦም ዝብል መተሓሳሰቢ ብንግዲ ዝመሓደሩ ዜጋታት ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ከም ዝገለፁ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
  ኣብቲ ኣኼባ ብሞያተኛታት ተዳልዩ ዝቐረበ ፅሑፍ ከም ዘረድኦ፣ ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ፀገማት ድሕሪ ምፍጣሮም ክንቀሳቐስ ዘይኮነ ዝግብኦ፣ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ምውራሩ ንምክልኻል ዘኽእል ሰነድ ምድላውን ምክትታልን ስርሑ ከም ዝኾነ ክፈልጦ ይግባእ ክብል የረድእ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ዓበይቲ ፕሮጀክቲታት ከምኡ'ውን ኣብ ምሕደራ መሬት፤ ግብሪ፤ ኣወሃህባ ፍትሒ፤ ብጠቕላላ ብግዕዝይና ምኽንያት 40 ሚኢታዊ ዝኸውን ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ምዃኑ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ ሪፖርት ድሕሪ ምግላፁ፣ ላዕለዎ መሪሕነት  ኣብ ተግባር ዝተመሰረተ ክትትል ብምግባር ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዝፍፅሙ ኣምሃሪ ስጉምቲ ኣብ ክንዲ ምውሳድ ንባዕሎም ኣብቲ ኣፀያፊ ተግባር ዝተዋፈሩ ምዃኖም ተገሊፁ።

No comments:

Post a Comment