ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ዘሎ ቤት ህንፀት ካብ 3 ሽሕ
ንላዕሊ እሱራት ኣዕለቕሊቑ ኣብ ዘለሉ እዋን፣ ከቢድ ፀገም ማይ ኣጋጢምዎ ስለ ዘሎ፣ እቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ
ኮይንዎ ከም ዝርከብ ኣብ'ታ ከተማ ዘለዉ ምንጭታትና ካብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
ኣብቲ ቤት ህንፀት ዝርከቡ እሱራት መዓልታዊ ዝሰትይዎን ንፅሬት ዝኸውን ማይ ብዘይ ምርካቦም፣
ንዝተፈላለዩ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ይቃልዑ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ፣ ከምኡ'ውን ተወሳኺ ክፍሊታት ብቆርቆሮ ብምስራሕ ነቶም
እሱራት ኣብ ርእሲ ርእሲ ክዳጎኑ ይግበር ምህላው እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
No comments:
Post a Comment